×

ሓደ ሰብ እንታይ ምስ ዝኸውን እዩ ኣብ ሮሞዳን ክጸውም ዘይክእል? (ትግርኛ)

Description

እዚአ መበል ስለ ሓደ ሰብ እንታይ ምስ ዝኸውን እዩ ኣብ ሮሞዳን ክጸውም ዘይክእል ኢላ ዝትገልጽ እያ

Download Book

ሓደ ሰብ እንታይ ምስ ዝኸውን እዩ ኣብ ሮሞዳን ክጸውም ዘይክእል?

متى يسقط عن المسلم صيام رمضان ؟

< ቱሑዝቶ - تجرينى - tigrinya >

—™

بِسْمِ اللهِ الرَّحْمَنِ الرَّحِيْمِ

 ሕቶ:

ሓደ ሰብ እንታይ ምስ ዝኸውን እዩ ኣብ ሮሞዳን ክጸውም ዘይክእል?

 መልሲ:

ኣልሓምዱሊላህ

ሓደ ካብቲ ኣላህ ንባሮቱ ፎኲስ/ዘየሸግር ዝገበሮ ትእዛዛቱ ጾም እዩ። ጾም ነቶም ምሉእ ጥዕና ዘለዎምን ክገብርዎ ዓቕሚ ዘለዎም ክኸውን ኢዩ ወሲኑ። ነቶም ብቕቡል ናይ ሸሪዓ ምኽኒታት ክጾሙ ዘይክእሉ ከኣ ምሕረት ገይሩሎም እዩ። ገለ ካብቶም ከተፍጥር ዘፍቅዱልካ ሕጋውያን ምኽንያታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፦

1- ሕማም

ሕማም ክበሃል ከሎ ስእነት ጥዕና ማለት’ዩ። እዚ ማለት ከኣ እቲ ሰብ ምስ ምሉእ ጥዕናኡ የለን ንምባል’ዩ።

ኢብን ቑዳማ ከምዚ ይብል፡ “ዑለማእ ዝሓመመ ሰብ ብሓፈሻኡ እንተዘይጾመ ፍቑድ ምዃኑ ስምምዕ ኣለዎም። ነዚ ከም መርትዖ እትኸውን ‘ኣያ’ ናይ ቁርኣን ድማ እታ ኣብ ሱረት ኣል-በቐራ (2፡184) ዝተጠቕሰት ‘ኣያ’ እያ። እታ ‘ኣያ’ ዝኾነ ዝሓመመ ወይ ኣብ ጉዕዞ ዝርከብ ሰብ፡ ልክዕ ቁጽሪ ናይቲ ክጾሞ ዘይከኣለ ፡ ኣብ ካልእ መዓልቲ ክትክኦ ከም ዝኽእል ፍቓድ እትህብ እያ።

ሰላማ ኢብን ኣል-ኣክዋ(ኣላህ ይርደየሉ) ከምዚ ይብል “ እዛ ትስዕብ ኣያ ምስ ወረደት “እቶም እናተጸገሙ ክጾሙዝኽእሉ፡ (ንኣ. ዝሸምገለ ሰብ፡ ክጾሙ ወይ ንነፍሲ ወከፍ መዓልቲ) ንምስኪን ክምግቡ (ምርጫ) ኣለዎም።” (ኣል-በቐራ 2፡184)

እቶም ክጾሙ ዘይደልዩ ፊድያ ከውጽኡ ይኽእሉ ነይሮም። ፊድያ ማለት ከኣ ንነፍሲ ወከፍ ዘይተጾመት መዓልቲ ንመስኪን ወይ ድኻ ሰብ ምምጋብ ማለት እዩ። ይኹን እምበር እዚ ኣገባብ እዚ ኣብ ግብሪ ክቕጽል ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣላህ በቲ ኣብ ኣል–በቐራ (2፡185) ዘውረዶ ዋሒይ ተኪእዎ እዩ። ብኡ መሰረት እቶም ኣዝዮም ዝሸምገሉ፡ ነፍሰ-ጾራትን ከቢድ ሕማም ዘለዎምን እንተዘይኮይኑ ጾም ዘይመኻነዮ ፈርዲ ምዃኑ ተኣዚዙ።

ሓደ ዝሓመመ ሰብ እንተጾመ ሕማሙ ዝያዳ ዝብእስ፣ ወይ ቀልጢፉ ንኸይሓዊ ዝዕንቅፎ፣ ወይ’ውን ኣብ ገለ ክፋል ናይ ኣካላቱ ሃስያ ዘስዕበሉ እንተኾይኑ፡ ናይ ዘይ ሙጻም ምርጫ ኣለዎ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ዝርከብ ሰብ እንተዘይጾመ ንዑኡ ሱና ክኸውን ከሎ፡ ምስ ኩሉ ርኡይ ሽግራቱ ክጸውም ድማ መክሩህ ወይ ጽሉእ እዩ። ምኽንያቱ ሕማሙ ተሓላሊኹ ንሞት ክዳርጎ ስለ ዝኽእል። ስለዚ ጥንቅቕ ክብልን ጥዕናኡ ክሕሉን ኣለዎ። በዚ ኸኣ ዝሓመመ ሰብ ኣጸቢቑ ምስ ዝጽለኦ ንኸይጸውም ፍቓድ ኣለዎ ማለት’ዩ። ምሉእ ጥዕና ዘለዎ ሰብ ከይደክም ወይ ከይጽገም ፈሪሑ ከፍጥር ግና ፍቑድ ኣይኮነን። እዚ ኸኣ ምጻሙ ድኻም ጥራሕ ዘስዕበሉ እንተኾይኑ ማለት’ዩ።

2 – ጉዕዞ

ሓደ ሰብ ብሰንኪ ኣብ ጉዕዞ ምህላው ንከፍጥር ክፍቀደሉ እንተኾይኑ እዞም ዝስዕቡ ቅድመ-ኩነታት ክማልኡ ኣለዎም

ሀ. እቲ ጉዕዞ ሰላት ከይተረፈ ኣሕጺርካ ክትሰግደሉ ዘገድድ ነዊሕ ጉዕዞ ክኸውን ኣለዎ።

ለ. እቲ ዝጎዓዝ ዘሎ ሰብ ሃቐነ ጉዕዞኡ ኣብቲ ዝኸዶ ዘሎ ቦታ ጠቕሊሉ ንምንባር ክኸውን የብሉን።

ሐ. ዝበዝሑ ዑለማእ ከም ዝሰማምዑሉ ሓደ ተጓዓዛይ ዕላማ ጉዕዞኡ ንጠቓሚ ነገር ደኣ እምበር፡ ዝኾነ ይኹን ዘንቢ ንምፍጻም ክኸውን የብሉን። ሓደ ዘንቢ ክገብር ዝጎዓዝ ዘሎ ሰብ ኣብ ጉዕዞኡ ምሉእ ዕረፍቲ ክትህቦን ግቡኡ ካብ ምፍጻም ነጻ ዝገብር ሕድገት ክትገብረሉን ኣይግበኦን እዩ። ምኽንያቱ ዕላማ ጉዕዞኡ ብቐንዱ ዘንቢ ንምግባር’ዩ፣ ንኣብነት እዚ ተጎዓዛይ’ዚ ሽፍትነት ክፍጽም ይጎዓዝ ይህሉ።

ብምኽንያት ጉዕዞ ተፈቒዱ ዝጸነሐ ናይ (ምፍጣር) ዘይምጻም ፍቓድ ዝስረዘሉ ኩነታት፡

እዚ ፍቓድ’ዚ ብክልተ ነገራት ክስረዝ ይኽእል፦

1. ተጓዓዛይ ካብ ጉዕዞኡ ናብቲ ብቐዋምነት ዝነብረሉ ቦታ ምስ ተመልሰ።

2. ተጓዓዛይ ኣብቲ ከይዱዎ ዘሎ ቦታ ንዘይተወሰነ ወይ ንንውሕ ዝበለ እዋን ክጸንሕ እንተወሲኑ፡ እቲ ቦታ ከኣ ንክትነብሮ ምቹእ ምስ ዝኸውን፡ ደጊም እዚ ሰብ’ዚ ተጓዓዛይ ዘይኮነ ቀዋሚ ይኸውን ስለ ዘሎ፣ ክጸውምን ሰላቱ ከምቲ ግቡእ ከየሕጸረ ክሰግድን ኣለዎ። እቲ ብሰንኪ ኣብ ጉዕዞ ምህላዉ ተፈቒድዎ ዝጸነሐ ሕድገት ከኣ ተፈጻምነቱ የቋርጽ።

3 –ጥንሲን ምጥባው ህጻንን

ፉቐሃእ ከም ዝተሰማምዕዎ ሓንቲ ነፍሰ-ጾርን እተጥቡ ዘላ ኣደን ናይ ሮሞዳን ጾመን ከቋርጻ ይኽእላ እየን። እዚ ግን ሱቕ ኢልካ ዘይኮነ፡ እታ ኣደ ብምጻማ ኣብኣ ወይ ኣብ ውላዳ ዝኾነ ሕማም ከይፍጠር እንተሰጊኣ፡ ንሳን ውላዳን ከይጉድኡ ወይ ሞት’ውን ከየስዕብ እንተ ፈሪሓ፡ ከተፍጥር ትኽእል እያ። ነዚ ፍቓድ’ዚ መርትዖ ዝኾነና ድማ እታ ኣብ ሱረት ኣል-በቐራ (2፡185) ዝተጠቕሰት ‘ኣያ’ ናይ ቁርኣን እያ። “ዝኾነ ካባኻትኩም እንተ ሓሚሙ ወይ ኣብ ጉዕዞ እንተሎ ማዕረ ብዝሒ [ናይቲ ክትጾምዎ ዘይከኣልኩም] ካብ ካልኦት መዓልታት [ተክኡ]

እዚ ፍቓድ’ዚ ንተራ ሕሙም ሰብ ይምልከት ማለት ግን ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሕሙም ክንሱ እንተ ጾመ ብምጻሙ ዘይጉዳእ እንተኾይኑ፡ ከፍጥር ኣይፍቀደሉን እዩ። ሕማም እንተ ተባህለ ንኩሉ’ቲ ሕማም ተባሂሉ ዝፍለጥ ብሓፈሻ ከም ዘይኮነ ርዱእ ክኸውን ኣለዎ። ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ኣርእስቲ ሕማም ክንብል ከለና፡ እቲ እንተጾምካ ሓደጋ ይኹን ጉድኣት ዘስዕብ ማለትና ጥራሕ እዩ። ኣብ ግዜ ጥንሲን ምጥባው ህጻንን ከኣ ብተመሳሳሊ መንጽር ስለ ዝጥመት፡ እዞም ክልተ ጉዳያት ኣብቲ ካብ ስያምካ ምፍጣር ዘፍቅድ ኩነታት ኣብ ግምት ይኣትዉ። ኣብዚ ከም ደሊል/መርትዖ ከነቕርቦ እንኽእል ኣነስ ኢብን ማሊክ ኣል-ካዕቢ (ረድየላሁ ዓንሁ) ዘመሓላለፎ ሓዲስ ኣሎ። ንሱ ረሱል (ሰ.ዓ.ወ) ከምዚ ዝስዕብ ኢሎም ይብል፦ “ኣላህ ከምቲ ንተጓዓዛይ ኣብ ግዜ ጉዕዞኡ ካብ ጾሙ ከፍጥርን ሰላቱ ኣሕጺሩ ክሰግን ዘህደኦ፣ ከምኡ ኸኣ ንነፍሰ-ጾርን ውላዳ ኣብ ምጥባው እትርከብ ሰበይቲ ካብ ምጻም ክትዕገስ ፈቒዱ”

4 –ረሲዕነትን (ሕማም ምርሳዕ) ሽምግልናን

ረሲዕነትን ሽምግልናን ንሓደ ምሉእ ሓይሉ ተዳኺሙ ንሞት ዝተቓረበ ኣመና ዝዓበየ ወይ ዝኣረገ ሰብ ዝምከቱ ሕማማት እዮም። እዚ ሰብ እዚ ክሳዕ ኣብ መወዳእታ ዝመውት መዓልታዊ እናተዳኸመ ዝኸይድ ዘሎ፡ ወይ ቀዛፊን ዘይፍወስን ሕማም ስለ ዝሓዞ ናይ ምሕዋይ ተስፋ ዘይብሉ እዩ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ከፍጥሩ ከም ዝኽእሉ ከተነጽረልና እትኽእል መርትዖ፡ እታ ኣብ ሱረት ኣል-በቐራ (2፡184) ዝተጠቕሰት ኣያ እያ። “እቶም እናተጸገሙ ክጾሙ ዝኽእሉ፡ (ንኣ. ዝሸምገለ ሰብ፡ ክጾሙ ወይ ንነፍሲ ወከፍ መዓልቲ) ንምስኪን ክምግቡ (ምርጫ) ኣለዎም። (ኣል-በቐራ 2፡184)

ኢብን ዓባስ (ረድየላሁ ዓንሁ) ከምዚ ይብል፦ “እዛ ‘ኣያ’ ናይ ቁርኣን ብካልእ ኣይተተካኣትን፡ ኣብ’ቶም ዝሸምገሉ እሞ ክጾሙ ዘይክእሉ ሰብኡትን ኣንስትን ተፈጻምነት ኣለዋ። ስለዚ ንሳቶም ንነፍሲ ወከፍ ዘይጾምዋ መዓልቲ ንሓደ ድኻ ሰብ ክምግቡ ኣለዎም።”

5- ብርቱዕ ጥምየትን ጽምኢን

ሓደ ሰብ ክጻወሮ ዘይክእል ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ብዝኾነ ጥምየት ወይ ጽምኢ ምስ ዘጋጥሞ፡ ነዚ ብርቱዕ ጥምየት’ዚ ንምዕጋስ ክበልዕ ይፍቀደሉ። ጥምየቱ ምስ ኣዐገሰ ግና ሓንሳእ ኣፍጢረ እየ ኢሉ፡ እናበለዐን ሰተየን ክውዕል ኣይፍቀደሉን፣ እንታይ ዳኣ ነቲ ዝተረፈ መዓልቲ ካብ ብልዒ ተቖጢቡ ክቕጽል ኣለዎ። እታ ዘፍጠረላ መዓልቲ ድማ ኣብ ካልእ እዋን ክቐድያ ኣለዎ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ንጥምየትን ጽምኢን ኣመልኪትና ዝጠቐስናዮ፡ ዑለማእ ዝሃብዎ ተወሳኺ ርእይቶ’ውን ኣሎ። ኣብ ግዜ ኲናት ምስ ጸላኢ ኣብ ትጋጠመሉ እዋን፣ መጥቃዕቲ ከይፍጸም ፍርሒ ወይ ተኽእሎ እንተሎ፣ ወይ ንኣብነት ጸላኢ ከርዲኑ እንተሒዙካ እሞ ብምኽንያት ጾምካ ከኣ ድኻም ከየጋጥመካ እንተሰጊእካ ኩነታት ቅድሚ ምጅማሩ ከተፍጥር ፍቓድ ኣለካ።

6 ብሓይሊ ምስ እትስግደድ

ምስግዳድ ክበሃል ከሎ ሓደ ሰብ ንካልእ ሰብ ብሓይሊን ምፍርራሕን ንዘይደለዮ ነገር ክፍጽም ከገድዶ ከሎ ማለት’ዩ።

ኣል-መውሱዓ ኣል-ፊቕሂያ ቅጺ.28 ፡ ገጽ. 73

معلومات المادة باللغة العربية