×

ናይ ወለዲ ሐቂ (ትግርኛ)

Description

እዚ ወረቀታት ንወለድኻ ጽቡቕ ክትገብረሎም ትእዛዝ ናይ ረቢ ኮይኑ ወላ ነቶም ቅድሜና ዝነበሩ ኣህዛብ ከይተረፈ ዝተነግሮም ትእዛዝ እዩ:

Download Book

    ናይ ወለዲ ሐቂ

    حقوق الوالدين

    <حقوق الوالدين >

    ካልፋ ሐማድ እስማዕል

    خليفة حمد إسماعيل

    —™

    بِسْمِ اللهِ الرَّحْمَنِ الرَّحِيْمِ

    ኣንቱም ዝኣመንኩም ረቢ ፍርሑ ብናይ ረቢ ኒዕማ ድማ ኣመስግኑ: ከምቲ ረቢ (.) ዝኣዘዘኩም ንወለድኹም ተኣዘዙን ኣመስግኑን: ኣብ ሱረቱ-ሉቕማን ረቢ (.):- ’’ንዓይ ኣመስግነኒ ከምኡውን ንወለድኻ: መምለሲትካ እኳ ናባይ ኢኻ’’::

    ووصينا الإنسان بوالديه حملته أمه وهنا على وهن وفصاله في عامين أن اشكر لي ولوالديك إلي المصير

    ንረቢ ጥራይ ኣመስጊኑ ንወለዱ ዘየመስግን ሰብ ምስጋንኡ ምሉእ ኣይከውንን:: ንወለድኻ ጽቡቕ ክትገብረሎም ትእዛዝ ናይ ረቢ ኮይኑ ወላ ነቶም ቅድሜና ዝነበሩ ኣህዛብ ከይተረፈ ዝተነግሮም ትእዛዝ እዩ:: ኣብ ሱረቱ-በቐራ ረቢ (.):- ’’ዘክሩ ደቂ እስራኤል ካባኹም ዝወሲድናዮ ውዕል: ብጀካ ንሓደ ኣላህ ንኻልእ ከይትግዝኡ: ንወለድኹም ጽቡቕ ክትገብረሎም (ኢሕሳን ከተርእዮም)….’’ ይብል::

    وإذ أخذنا ميثاق بني إسرائيل لا تعبدون إلا الله وبالوالدين إحسانا

    ከምኡውን እዚ ጠባይ እዚ ናይ ኣንብያእ ጠባይ ከምዝነበረ ረቢ (.) ነጊሩና:: ንኣብነት ብዛዕባ ሰይድና ያሕያ (.) ክነግረና እንከሎ: ንወለዱ ኣብ ግዜ እርጋኖም ምእዙዝ ከምዝነበረን ጽቡቕ ተግባር ይገብረሎም ከምዝነበረን ኣብ ቁርኣን ይሕብረና::

    ከምኡውን እዚ ጠባይ እዚ ናይ ኣንብያእ ጠባይ ከምዝነበረ ረቢ (.) ነጊሩና:: ንኣብነት ብዛዕባ ሰይድና ያሕያ (.) ክነግረና እንከሎ: ንወለዱ ኣብ ግዜ እርጋኖም ምእዙዝ ከምዝነበረን ጽቡቕ ተግባር ይገብረሎም ከምዝነበረን ኣብ ቁርኣን ይሕብረና::

    وبرا بوالديه ولم يكن جبارا عصيا

    ከምኡውን ሰይድና ዒሳ ብዛዕባ ነብሱ ክዛረብ እንከሎ ኣብ ቁርኣን:-’’(ረቢ) በደይ ምእዙዝ ጌሩ ጀባርን ሸቒን ኣይገበረንን!’’

    وَبَرًّا بِوَالِدَتِي وَلَمْ يَجْعَلْنِي جَبَّارًا شَقِيًّا

    ንወለዱ ምእዙዝ ዝበሃል ሰብ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ናይ ወለዱ ድልየት ዘቐድም እዩ:: እዚ ማለት ድማ ወለዱ ዝኾነ ነገር ክእዝዙዎ እንከለው ነቲ ጉዳይ ፈትዩን ረድዩን ብዘይ ምቅዋም: ብዘይ ዘረባን ብዘይ ምምልላስን ሕራይ ኢሉ ድልየቶም ምምላእ እዩ እቲ ዝለዓለ ደረጃ ናይ ምእዙዝነት::

    ሓደ ወዲ ሰብ እዘን ዝስዕባ ሰለስተ ነገራት ምስ ዘማልእ ግቡእ ወለዱ ጌሩ ተማእዚዙ ክበሃል ዝከኣል:-

    ካብ ድለየት ነብሱ: ደቁን ሰበይቱን ንላዕሊብቐዳምነት ድልየት ወለዱ ዘቐድምን ዘፍቱን:

    ወለዱ ዝኣዘዘዎ ነገራት ብዘይ ዘረባ ንኹሉ ድልየታቶም ዘማልእ ብጀካ ንዘንቢ ወይ ድማ ንኩፍሪ እንተዘይኣዚዘሞ:

    ወልዱ ክሳብ ዝብልዎ ከይተጸበየ ባዕሉ ድልየታቶም ኣስተባሂሉ ዘሐጉሶም: ዘማላኣሎምን እዩ::

    ክቡራት ሙእሚኒን የሕዋተይ: ፍቶት ወለድኻ ካብ ፍቶት ሰበይትኻ ከተቐድም እዩ ዘለካ: ብዙሓት ኣለዉ ነንስቶም ከሐጉሱ ክብሉ ብወልዶም ዘይግደሱን ካብኡ ሓሊፎም ብዓይኒ ጽልኢ ዝርእዩን:: ኣዴኻ እንተዘይትወልደካን ተዕብየካን ክንድ ሰብ በጺሕካ ንሰበይትኻ ኣይምረኸብካያን: ስለዚ ከምቲ ረሱል ዝበልዎ: ጀና ትሕቲ እግሪ ኣደ እያ ትርከብ ንኣዴና ከነኽብራን ከነሐጉሳን እዩ ዘለና::

    ኣብ ሰሒሕ ሙስሊም: ኣሲር ኢብኒ ጃብር ዝተባህለ ሰሓቢ ዘመሓላለፈልና ሓዲስ:- ’’ዑመር ኢብኒል ኸጣብ ካብ የመን ዝመጹ ዝነበሩ ሰባት ኡወይስ ኢብኒ ዓምር ምሳኹም ኣሎ እዩ እንዳበሉ ይሓትሉ ነበሩ: ምስ ረኸብዎ ንስኻ ዲኻ ኡወይስ ኢብኒ ዓምር? ሓተትዎ: ’’እወ’’ እሞ ረሱል (..) ብዛዕባኻ ክዛረቡ ሰሚዐዮም ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ኣሎ እሞ ኡወይስ ኢብኒ ዓምር እዩ ዝበሃል ነዲኡ ኣዝዩ ምእዙዝ ስለዝኾነ: ንረቢ ከምዚኣ ግበረለይ ኢሉ እንተደኣ ዱዓ ጌሩ ረቢ ቀጥታ እዩ ዱዕኡ ዝቕበለሉ እንተረኺብክሞ ካብ ረቢ እስቲቕፋር ሕተተለይ በልዎ ስለዝበሉና እስቲቕፋር ሕተተልና በልዎም ሰይድና ዑመር: ኡወይስ ድማ ኢስቲቕፋር ገበርሎም::’’

    ካብዚ ሓዲስ ንርድኦ ነገር እንተደኣ ኣሎ ኮይኑ ክቡራት የሕዋተይ: ንወለድኻ እንተኣፍቲኻን ተኣዚዝካዮምን ዱዓኻ ቅቡል ምዃኑ እዩ:: መን ኣሎ እሞ ዱዕኡ ረቢ ክቕበለሉ ዘይደሊ ሰብ?

    ሰይድና ኢብራሂም ኣብ ምእዛዝ ወለዱ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ: ኣብኡ ንጀሃነም እንዳጸውዕዎም ንሶም ግና ንጀና ይጽውዖዎ ነበሩ: ኣብኡ ንጣኦት ክግዛእ ክዕድምዎ እንከለው: ሰይድና ኢብራሂም ግና ብጀካ ንሓደ ረቢ ንኻልእ ንኸይግዝኡ በገባብን ብስን-ስርዓትን ይጽውዕዎም ነበሩ:: ኣቡኡ ሓሪቖም ነዲዶም ከፈራርሕዎም እንከለው: ሰይድና ኢብራሂም ግና ብልዙብ ቃላትን ህድእ ብዝበለ ኣዘራርባን ይምልስሎም ነበሩ:: ከምቲ ኢድ ሸናሒት ጸናሒት: ሎሚ ኢድካ ዝሰራሓቶ ጽባሕ ሓሊፋ እያ ትጸንሓካ ዝተባህለ: ንሰይድና ኢብራሂም ረቢ (.) ተግባሮም ርእዩ ምእዙዝ ዝኾነ ውላድ ሂብዎም- ሰይድና ኢስማዒል:: ሰይድና ኢስማዒል ወላሓደ ካባና ክበጽሖ ዘይክእል ደረጃ ምእዙዝነት እዮም በጹሖም: ከምቲ ረቢ (.) ኣብ ቁርኣን ዝገለጾም:- ’’ጸዋር ዝኾነ ውላድ ኣበሲርናዮ’’::

    فبشرناه بغلام حليم

    ክንዲ ሰብ ኣኺሉ ምስ ጎበዘ ሰይድና ኢብራሂም: ’’ኣብ ሕልመይ እንዳሓረድኩኻ ረኤኹኻ: እንታይ መስለካ?’’ ምስ በልዎም: ሰይድና ኢስማዒል ብዘይ ሕቶን ዘረባን: ረቢ ዝኣዘዘካ ፈጽም እንሻኣላህ ድማ ካብቶም ሰብ ሰብሪ ኮይነ ክትረኽበኒ ኢኻ ብምባል ምሉእ ብምሉእ ክሳብ ሂወቶም ከወፍይሎም ድልውነቶም ኣረጋገጽሎም::

    فَلَمَّا بَلَغَ مَعَهُ السَّعْيَ قَالَ يَا بُنَيَّ إِنِّي أَرَى فِي الْمَنَامِ أَنِّي أَذْبَحُكَ فَانْظُرْ مَاذَا تَرَى قَالَ يَا أَبَتِ افْعَلْ مَا تُؤْمَرُ سَتَجِدُنِي إِنْ شَاءَ اللَّهُ مِنَ الصَّابِرِينَ

    ካብዚ ሓሊፉ ኣብቲ ዝሕረድሉ ቦታ ምስ በጽሑ: ሰይድና ኢስማዒል ብቃላት ክግለጽ ዘይክእል ምእዙዝነት ብምርኣይ ክሕረዱ ድልው ኮኑ:: ክሓርድዎም ምስ ተዳለው: ረቢ (.) ክልቲኦም ንናይ ረቢ ትእዛዝ ከምዘማልኡ ምስ ረኣየ ዝበለጸ በጊዕ ካብ ሰማይ ኣውሪዱ:- ’’ ኢብራሂም ሕልምኻ ክውን ጌርካዮ ኢኻ!’’ ክብል መጎሶም::

    وناديناه أن يا إبراهيم قد صدقت الرؤيا إنا كذلك نجزي المحسنين

    ወለድኻ ንዓመታት ዝኣክል ካብታ ዝተጠነስካላ ግዜ ጀሚሮም ንዓኻ ክጥዕመካ: ንስኻ ከይትሽገር ደኺመ ከይበሉ ክከናኸኑኻን ክሕብሕቡኻን: እንተሓመምካ ምሳኻ ይሓሙ: እንተተቐንዘኻ ምሳኻ ይቕንዘው: ለይትን መዓልትን ናትካ ጽቡቕ ክርእዩ ሃረር እንዳበሉ ዱዓ ክገብሩ: ደኺምና ከይበሉ ንዓኻ ከመርዕው ከምስሉ: ነብስኻ ክሳብ ትኽእልን ምስ ዓለም ክሳብ ትላለን ታተ እንዳበሉ የዕብዮምኻን ተኸናኺኖምኻን እዮም:: ኣዴኻ 9 ወርሒ ኣብ ከብዳ ሓሚማን ድቃስ ስኢናን ጼራትካ: ኣቦኻውን እንተኾነ ኣንጊሁ ንስርሑ እንዳኸደ ከይትጠምዮን ከይትጸምኦን ንዓኻ ከዐንግል ደኺሙን ትዒቡን እዩ: ዝበለጸ ትምህርቲ ክትመሃር: ዝሓሸ ሂወት ክትመርሕ: ክንዲ ሰብ ኣኺልካ ብኣኻ ክኾርዕን ክሕጎስን ከይደቀሰ ዕድሚኡ ንዓኻ ክብል የሕሊፍዎ:: ወለድኻ ካብ መጠን ዝሓለፈ ፈትዮሙኻ: ከይትሓሞም ተኸናኺኖምኻ: ከይትዓርቆም ነብሶም ገዲፎም ንዓኻ ከዲኖሙኻ: ነብስኻ ሕተት እንታይ ጌርካሎም ንስኻ?

    እስከ ንነብስኻ ሕተታ ሓንቲ መዓልቲ ወለድኻ ሓሚሞም ዓራትካ ገዲፍካ: ስራሕካ ኣቃሪጽካ ኣብ ጎኖም ኮንካ ርኢኻዮም ? ተሸጊሮም ምስ ሰማዕካ ደቅኻን ስድራኻን ገዲፍካ ንወለድኻ ኣቐዲምካ ? ክቡራት የሕዋተይ ንወለድና ነኽብር ንተኣዘዞም: ትርጉም ወላዲ ቀሊል ኣይኮነን ብሂወቶም እንከለዉ ንጠቀመሎም: ንፍለጥ ፍቶት ናይ ኣላህ ኣብ ፍቶት ወለዲ: ቁጠዐ ረቢ ድማ ኣብ ቁጠዐ ወለዲ ከምዘሎ ኣይንዘንግዕ::

    ናይ ሰብ ነገር ግን ይገርም እዩ: ወለዲ ንውላዶም ጌና ብዕሸሎም እንከለው ሓሚሞም ክኣልይዎም እንከለው ደቆም ክነብርሎን ክዓብይሎምን እንዳተመነዩ እዮም ኔሮም: ደቆም ግና ወለዶም ሕጂ ምስ ዓበዩ ሓሚሞም ዓራት ምስ ሓዙ ክኣልይዎም እንከለው ክሞቱሎም እንዳተመነዩ እዮም ዝኣልይዎም: ወዲ ሰብ ግን ክንደይ ይጭክን!! ወለድና እዚ ድዩ ኢዶም?

    ረቢ (.) ንወለዲ ዝምልከት ከጠንቅቐና እንከሎ: ይትረፍ ክንጸርፎም: ክንወቕዖምን ካብ ሓሳቦም ክንወጽእን እታ ዝደቐቐትን ዝነኣሰትን ’’ኡፍ’’ ትብል ቃል ከማን ከነስምዖም ከምዘይብልና ኣብ ቁርኣን ኣጠንቂቑና:: ወለድና ብሂወቶም እንከለው ክንእዘዞም: እንተሞይቶም ድማ ዱዓ ክንገብረሎም ግድነት ይኾነና:: ኣገዳስነት ወለዲ ክሳብ ክንደይ ኣገዳስን ዓቢ ነገር ምኻኑን ረቢ (.) ንዓይ ጥራይ እንተዘይኮይኑ ንኻልእ ኣይትገዝኡ ኢሉ ብምእዛዝ ኣስዒቡ ንወለድኹም ድማ ተኣዘዙን ጽቡቕ ግበሩሎምን ክብል ምእዙዝነት ወለዲ ምስ ተውሒድ ብሓደ ዘኪሩዎ::

    وَقَضَى رَبُّكَ أَلاَّ تَعْبُدُواْ إِلاَّ إِيَّاهُ وَبِالْوَالِدَيْنِ إِحْسَانًا إِمَّا يَبْلُغَنَّ عِندَكَ الْكِبَرَ أَحَدُهُمَا أَوْ كِلاَهُمَا فَلاَ تَقُل لَّهُمَآ أُفٍّ وَلاَ تَنْهَرْهُمَا وَقُل لَّهُمَا قَوْلاً كَرِيمًا

    ስለዚ:- ድምጽኻ ኣትሒትካ ክትዛረቦም: ልብኻ ኣንጺህካ ክትቀርቦም: ኮርዮም ተቖጢዖም ኣብ ዝዛረቡኻ ሕማቕ ከይትምልሰሎም: ብዓይኒ ንዕቀት ከይትጥምቶም: ኣዚዞምኻ ከይትኣብዮምን ልቦም ከይትሰብሮምን: ፍቶቶም ክትረክብ ክትጽዕር: ካባኻ ርሒቖም እንተለዉ ቀጻሊ ደሃዮም ክትፈልጥን ኩነታቶም ክትሓትትን ይግበኣካ::

    ካብቲ ምስ ወለድኻ ከተርእዮ ዝግበኣካ ስነስርዓት: ዘረብኦም ክትሰምዕ: ደው እንተደኣ ኢሎም ኣለው ምስኦም ደው ክትብል: ትእዛዞም ከተኽብር: ቀቅድሚኦም ከይትኸይድ: ድምጽኻ ልዕሊ ድምጾም ዓው ከይተብል: ጻውዒቶም ከተኽብር: ከተፍትዎም ክትጽዕርን ትሕትና ከተርእዮምን::

    ዓብዱላህ ኢብኒ መስዑድ ዝተባህለ ሰሓቢ ከምዚ ይብል: ሓደ ግዜ ንረሱል (..) ሓተትክዎም:-

    ’’ኣየናይ ስራሕ እዩ እቲ ዝበለጸ ኣብ ቅድሚ ረቢ? ኢለ ምስ ሓተትክዎም ’’ሰላት ኣብ ግዚኣ ክትሰግዳ እንከለኻ’’ በሉኒ: ብድሕሪኡ ? ቀጸልኩ ሕቶይ: ’’ወለድኻ ምእዛዝ’’ ቀጺሉ ? ’’ጂሃድ ምእንቲ ኣላህ’’ ክብሉ መለሱለይ ይብል::

    ስለዚ እንሻኣላህ ካብቶም ንወለዶም ዝእዘዙን ንዐኦም ኣፍትዮም ፍቶት ረቢ ዝረኽቡ ግበረና!

    ወሰላሙ ዓለይኩም ወራሕመቱላህ ወበረካቱሁ!_

    معلومات المادة باللغة العربية