×

قوا أنفسكم و أهليكم نارا (تجريني)

الوصف

مقالة باللغة التجرينية تتناول قول الله تعالى ( قوا أنفسكم وأهليكم نارا).

تنزيل الكتاب

    ነብሲታትኩምን ስድራቤትኩምን ካብ ሓዊ ሓልዉ፣

    قوا أنفسكم وأهليكم نارا

    <تجرينية >

    ካልፋ ሐማድ እስማዕል

    خليفة حمد إسماعيل

    —™

    بِسْمِ اللهِ الرَّحْمَنِ الرَّحِيْمِ

    ብስም ኣላህ በቲ ኣዝዩ ለዋህን ኣመና ርህሩ

    መእተዊ

    ምስጋና ንልዑል ኣላህ ይኹን፣ ምስጋናና ናብኡ ነብጽሕ፡ ደገፍን ምሕረትን’ውን ንዑኡ ንሓትት። ካብ ርኽሰት ነብስናን ተግባራትናን ከኣ ናብ ኣላህ ንዕቆብ። እቲ ኣላህ ናብ [ሰናይ] ዝመረሖ [ካብ መስመሩ] ዘስሕቶ የብሉን፣ ነቲ ኣላህ ዘሀውተቶ ግና መራሒ የብሉን። እነሆ እምበኣር ብዘይካ ሓደ ኣላህ ኣምልኾት ዝግበኦ ካልእ ኣምላኽ ከቶ የልቦን እናበልኩ እምስክር ኣለኹ፣ [ኣላህ ሓደ እዩ] ምስኡ ሽርካ ኮነ ተሓጋጋዚ የብሉን። ከምኡ’ውን ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ባርያኡን መልእኽተኛኡን ምዃኑ እምስከር ኣለኹ።

    ‘ህላወ ቤት’ ካብ በረከታት ኣላህ ሓደ እዩ

    ኣላህ (ሱብሓነሁ ወ ተዓላ) ኣብ ቅዱስ ቁርኣን ከምዚ ይብል፦

    وَاللَّهُ جَعَلَ لَكُم مِّن بُيُوتِكُمْ سَكَنًا

    “ኣላህ ከኣ ካብ ኣባይትኹም ርግኣት እትረኽቡሉ ቦታ ገበረልኩም፡” (ሱረት ኣን-ነሕል 16፡80)

    ኢብን ከሲር ረቢ ይርሓመሉ ነዛ ዝተጠቕሰት ኣያህ ቅዱስ ቁርኣን ኣመልኪቱ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል፦ “ኣብዛ ኣያህ እዚኣ ኣላህ (ሱብሓነሁ ወተዓላ) ንባሮቱ ምሉእ በረከቱ ከም ዘንበረ እዩ ዝጠቅስ፣ ብርግኣት ዝነብሩሉ ሰላማዊ ኣባይቲ ሃቦም፣ ኣብ ዝጸንሑ ጸኒሖም ከኣ ናብቲ ዘዕቑቦም፡ ከውሊ ዝኾኖምን ኩሉ ዓይነት ረብሓታት ዝረኽቡሉን ቤቶም ይምለሱ።”

    ነስተውዕል እሞ ነፍሲ-ወከፍና “ቤትና ወይ ገዛና” ኢልና ክንዛረብ ከለና እንታይ ንምውካል እዩ? ቤትና እቲ እንበልዓሉ እንሰትየሉ፡ ምስ በዓልቲ ቤትና ብፍቕሪ እነዕልለሉ፡ እነዕርፈሉን እንድቅሰሉን ዶ ኣይኮነን? ካብቲ ብሰባት ዝተመልአ ሃዋሁው ፍንትት ኢልና ምስ ደቅንናን በዓልቲ ቤትናን እንብሕተሉ ስፍራ ዶ ኣይኮነን? ‘ቤት’ ክንብል ከለና ጸግዒን ጉልባብን ደቀንስትዮ ዶ ኣይኮነን? ኣላህ (ሱብሓነሁ ወ ተዓላ) ነዚ ብዝምልከት ከምዚ ይብለና፦

    وَقَرْنَ فِي بُيُوتِكُنَّ وَلا تَبَرَّجْنَ تَبَرُّجَ الْجَاهِلِيَّةِ الأُولَى

    “ኣብ ገዛውቲኽን ረጊእክን ጽንሓ፡ ከምቲ ናይ ዘመነ ድንቁርና ኣይትቀለዓ” (ሱረት ኣል-ኣሕዛብ 33፡33)

    በቶም ቤት-ኣልቦ፡ ኣብ ግዝያዊ መጽለሊ ተንዳታት ዝነብሩ፡ ተናበይቲ ጎደናን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ተበታቲኖም ዝቕመጡ ሰባትን ምስ እትሓስብ፣ ንዓኻ ወላ [ክራይ ይኹን] ድንን ኢልካ እትኣትዎ ቤት ምህላው ዓቢ ጸጋ ምዃኑ ክትግንዘብ ትኽእል። ሓደ ቤት-ኣልቦ ዝኾነ ሽጉር ሰብ “ዘዕርፈሉ ቤት የብለይን፡ ብቐዋምነት ዝቕመጠሉ ስፍራ’ውን የለን። ሓደ-ሓደ ግዜ ኣብ እንዳ እከለ እሓድር፡ ሓደ-ሓደ ግዜ ድማ ኣብ ካፈተርያ፣ ህዝባዊ ቦታታት ወይ ገምገም ባሕሪ እድቅስ፣ ክዳውንተይ ዘቐምጠሉ ቦታ’ውን የብለይን፡ ኣብ መኪና’የ ዘቐምጦ” ክብል ክትሰምዖ ከለኻ ድማ እትነብረሉ ገዛ ዘይምህላው ማዕረ ክንደይ ንውልቃዊ ህይወትካ ሕንፍሽፍሽ ከም ዘእትወሉ ክትርዳእ ትኽእል።

    ኣላህ (ሱብሓነሁ ወ ተዓላ) ንኣይሁድ በኒ ነድር ክቐጽዖም ምስ ወሰነ ነዚ ጸጋ’ዚ ብምውሳድ ካብ ኣባይቶም ከም ዝባረሩ ገበሮም። ኣላህ ነዚ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል፦

    هُوَ الَّذِي أَخْرَجَ الَّذِينَ كَفَرُوا مِنْ أَهْلِ الْكِتَابِ مِن دِيَارِهِمْ لِأَوَّلِ الْحَشْرِ مَا ظَنَنتُمْ أَن يَخْرُجُوا وَظَنُّوا أَنَّهُم مَّانِعَتُهُمْ حُصُونُهُم مِّنَ اللَّهِ فَأَتَاهُمُ اللَّهُ مِنْ حَيْثُ لَمْ يَحْتَسِبُوا وَقَذَفَ فِي قُلُوبِهِمُ الرُّعْبَ يُخْرِبُونَ بُيُوتَهُم بِأَيْدِيهِمْ وَأَيْدِي الْمُؤْمِنِينَ فَاعْتَبِرُوا يَا أُولِي الأَبْصَارِ

    “ንሱ እቲ ነቶም ዝኸሓዱ ካብ ኣህዛብ መጽሓፍ [ኣይሁድ በኒ ኣነድር] ካብ ኣባይቶም ኣውጺኡ ነቲ ቀዳማይ ምእካብ ዝኣከቦም እዩ። ንስኻትኩም [ግና] ይወጹ እዮም ኢልኩም ኣይሓሰብኩምን። ንሳቶም ድማ ዕርድታቶም ካብ (ሓይሊ) ኣላህ ዝከላኸለሎም መሰሎም። ይኹን’ምበር (መቕጻዕቲ) ኣላህ ብዘይተጸበይዎ መጸኦም፣ ኣብ ልቢታቶም ከኣ ራዕዲ ኣውደቐሎም፡ ንኣባይቶም ድማ ብኣእዳዎምን ብኣእዳው ምእመናንን ኣዕነዉዎ። ስለዚ ኦ ሰብ-ኣዒንቲ ትዕዝብቲ ውሰዱ።” (ቁርኣን ሱረት ኣል-ሓሽር 59፡2)

    ስለዚ እምበር ሓደ ሙእሚን ሰብ ንቤቱ በቲ ኣላህ (ሱብሓነሁ ወ ተዓላ) ዝኣዘዞ ኣገባብ ስርዓት ከትሕዞ ይግባእ፣ ነዚ ዝድርኹ ሓያለ ምኽንያታት ከኣ ኣለዉ፦

    ቀዳማይ፦ ንነብሱን ስድራኡን ካብቲ ዘቃጽል መቕጻዕቲ ጀሃነም ንምሕላውን ንምድሓንን። ነዚ ኣመልኪቱ ቅዱስ ቁርኣን ከምዚ ይብል፦

    يَا أَيُّهَا الَّذِينَ آمَنُوا قُوا أَنفُسَكُمْ وَأَهْلِيكُمْ نَارًا وَقُودُهَا النَّاسُ وَالْحِجَارَةُ عَلَيْهَا مَلائِكَةٌ غِلاظٌ شِدَادٌ لا يَعْصُونَ اللَّهَ مَا أَمَرَهُمْ وَيَفْعَلُونَ مَا يُؤْمَرُونَ

    መብርሂ ትርጉሙ፦

    “ኦ ኣንቱም ዝኣመንኩም! ነብሲታትኩምን ስድራቤትኩምን ካብታ መቃጸሊ ነዳዲኣ ሰባትን ኣእማንን ዝኾነት ሓዊ ሓልዉ፣ ኣብኣ [ዘየናሕስዩ] ጽኑዓትን ሓያላትን ዝኾኑ መላእኽቲ ኣለዉ፡ ነቲ ኣላህ ዝኣዘዞም [ንምፍጻም] ኣይኣብዩን፣ ዝተኣዘዝዎ ግና ይትግብሩ።” (ቁርኣን ሱረት ኣታሕሪም 66፡6)

    ካልኣይ፦ በዓልቤት ወይ ኣላዪ ስድራ ኣብ የውሙልቕያማህ ዝሕተተሉ ዓቢይ ሓላፍነት ስለ ዘለዎ።

    ነብይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ከምዚ ይብሉ፦ “ኣላህ ንነፍሲ ወከፍ ጓሳ [ወይ ተሓታቲ ኣካል] ብዛዕባ ጥሪቱ [እቶም ንሱ ዝኣልዮም] ብዝግባእ ኣልዪዎም ዶ ወላስ ብዘይተገዳስነት ዕሽሽ ኢልዎም ክሕተት እዩ። ክሳዕ’ታ ውልቃዊት ስድራቤቱ ወይ ሓዳሩ ክሕተት እዩ።”

    ሳልሳይ፦ ‘ቤት’ ሓደ ሰብ ንገዛእ-ርእሱ ካብ ርኽሰት ዝሕልወሉ ቦታ ስለ ዝኾነ፣

    ሰብ ኣብ ቤቱ ረጊኡ ኮፍ ብምባል ንነብሱ ካብ ዘንቢ/ሓጢኣት ይሕሉ፣ ካልኦት ሰባት ድማ ብሰንኩ ናብ ዘንቢ ከይኣትዉ ይከላኸል። ብፍላይ ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ከቢድ ናይ ፈተነ እዋን፡ ንኣገዳሲ ነገር ናብ ግዳም ዘውጽእ ጉዳይ እንተ ዘይረኺብካ ረጊእካ ኣብ ቤትካ ምዕቋብ እቲ ኢስላም ዝእዝዞ ዝበለጸ መፍትሒ እዩ።

    ነብይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ከምዚ ይብሉ፦ “እቲ ንልሳኑ ዝቆጻጸር፡ ቤቱ ዝኣኽሎ [ኣብ ገዝኡ ረጊኡ ኮፍ ዝብል]ን ብበደላቱ [ተጣዒሱ] ዝነብዕን ሰብ ዝተባረኸ እዩ።”

    ብተወሳኺ ረሱል (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ከምዚ ይብሉ፦ “ሓሙሽተ ነገራት ኣለዋ፡ ሓንቲ ካብአን ዝገበረ ኣላህ ምስኡ ይኸውን፡ [ንሳተን ድማ] ንዝሓመመ ሰብ ምብጻሕ፣ ንቃልሲ ምውጻእ፣ ብሃቐነ መግናሕቲን ኣኽብሮትን ናብ መራሒኡ ዝኣቱ፣ ንሰባት ኣብ ሓደጋ ከየእቱን ንገዛእ ርእሱ ኣብ ሓደጋ ከይኣቱን ሓሊኑ ኣብ ቤቱ ዝቕመጥን [እዮም]።”

    ከምኡ’ውን ረሱሉ’ላህ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ከምዚ ይብሉ፦ “ኣብ እዋን ፊትና ድሕነት ሓደ-ሰብ ዝረጋገጽ፡ ኣብ ቤቱ ረጊኡ ኮፍ ምስ ዝብል እዩ።”

    ናይዚ ምኽሪ’ዚ ጥቕሚ ንሓደ ኣብ ዓዲ ሙስሊም ዘይኮነ ሃገር ዝቕመጥ ሰብ ኣዝዩ ግሉጽ እዩ። ምኽንያቱ ንዝበዝሑ ኣብ ከባቢኡ ዝርእዮም ምስ ኢስላማዊ ስነ-ምግባራት ዘይቃደዉ ተርእዮታት ብወለንትኡ ክቕይሮም ስለ ዘይክእል። ስለዚ እምበኣር ቤቱ ሓራም ካብ ምርኣይ፡ ሓራም ካብ ምስማዕን ምግባርን ዑቕባ ይኾኖ። እታ ክብርቲ ሙስሊማ ዝኾነት በዓልቲ ቤቱ ከኣ ዘይከምተን ፋሉላት ደቀንስትዮ ጉልባባ ቀሊዓ ኣብ ጎደናታት ኣይትራኣይን። ኣብ ቤቶም ረጊኦም ኮፍ ምባሎም ንሰብኣይን በዓልቲ ቤቱን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንደቆም’ውን ጠቓሚ ስለ ዝኾነ፡ ድርብ ረብሓ ኢዩ ዘለዎ። ምስ ብልሹዋት ዓርከ-መሓዛ ካብ ምቕራብን ምልላይን ዘርሕቖም ከኣ ቤቶም ጥራሕ እዩ።

    ራብዓይ፦ ኣብ ገዛና ነሕልፎ ብዙሕ ግዜ ስለ ዘሎ፡-

    መብዛሕቲ ግዜ ሰባት ዝበዘሐ ግዜኦም ኣብ ኣባይቶም ዘሕልፉሉ እዋናት ኣሎ፣ ንኣብነት ኣብ እዋን ሙቐትን ዛሕሊን፡ ኣብ ግዜ ዝናብ፡ ኣብ ሰዓታት ንግሆን ምሸትን፡ ካብ ስራሓውቶም ወይ ኣብያተ ትምህርቶም ድሕሪ ምፍዳሶም ወ.ዘ.ተ። ከምዚ ዝኣመሰለ ግዜ ከኣ ንናይ ዒባዳ ተግባራትን ሓላል ዝኾኑ ንጥፈታትን ኣብ ምስልሳል ክንጥቀመሎም ይግባእ። እንተ ዘይኮይኑ በንጻር ናይቲ ዝተጠቕሰ ናብ ተግባራት ሓራም ምምርሖም ኣይተርፍን እዩ።

    ሓሙሻይ፦ ኣብ ስድራቤት ግቡእ ኣድህቦ ምግባር ኢስላማዊ ሕብረተ-ሰብ ንምህናጽ ዝሕግዝ ኣገዳሲ መንገዲ ምዃኑ ክንኣምን ኣለና።

    ስድራቤታት ተደማሚረን ኣብ ሓደ ዞባ ዝነብሩ ኮማት’የን ዝፈጥራ፡ ኮማት ተኣኻኺበን ከኣ ሕብረተ-ሰብ የቑማ። ስለዚ ዘይሩ-ዘይሩ እታ ሕብረተ-ሰብ እተቝውም ዘላ ኣገዳሲት ኣሃዱ ስድራቤት እያ። እዛ ስድራቤት’ዚኣ እንተ ጥዕያን ብኢስላማዊ ስነ-ምግባር ተሃኒጻን ከኣ፡ እቲ ሕብረተ-ሰብ ንሕጊ ኣላህ ተማእዚዙ ዝኸይድ ጥዑይ ሕብረተ-ሰብ እዩ ዝኸውን። ነዚ ፍርሒ-ረቢ ዝመሰረቱ ኣንጻር ኩሎም መሰናኽላት ደው ዝብል ምቕሉል ሕብረተ-ሰብ ጥሒሱ ዝሓልፍ እኩይ ክብርታት ከኣ ኣይህሉን። ኢስላማዊት ስድራቤት ድማ ዓንዲታት ሕብረተ-ሰብ ኮይኖም ዝጽግንዎን ናብ ሰናይ ዝመርሕዎን ወለዶታት ተፍሪ። ኣብነታውያን ዳዕያታት (ናብ ኢስላም ዝጽውዑ ቅኑዓት ሰባት)፡ ደለይቲ ፍልጠት፡ ጭቆና ዘወግዱን ፍትሒ ዘንግሱን ሓቀኛታት ተቓለስቲ፣ ወራዙን ሙእሚናትን እመ-ቤታት፡ ሓብሓብቲ ኣደታትን ካልኦትን ካብዛ ስድራቤት’ዚኣ ይፈርዩ። ሎሚ ኣባይቲና ብብዙሕ ሕጽረታትን እከያትን ከም ዝተመልአ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ፣ ሓደ ኣብነት ናይዚ ከኣ ዓቐኑ ዝሓለፎ ሸለልትነት እዩ። እዚ ዘይተገዳስነት’ዚ ከምኡ ኢሉ ክቕጽል ግና ግቡእ ስለ ዘይኮነ ሕቶታት ከልዕል ግድነት ይኸውን። ስለ ዝኾነ፦

    1. ስድራቤታትና ካብዚ ዓዘቕቲ’ዚ ብኸመይ ነውጽእ?

    2. ኣብ ስድራቤታትና ዘለዉ ሕጽረታት ብኸመይ ነወግድ?

    3. ኣብ ኣባይትና ኢስላማዊ ሃዋሁው ብኸመይ ንፈጥር?

    እዚ ቀጺሉ ዝስዕብ ጽሑፍ እምበኣር ኣብዞም ዛዕባታት እዚኦም ዘተኮረ እዩ። ኣላህ (ሱብሓነሁ ወተዓላ) ካብቶም ኣንቢቦም ዝጥቀሙ ይግበረና። ኣድህቦን ጻዕሪታትን ሙስሊሚን ኣብ ምህዳስ/ምምሕያሽ ኣባይቶምን ስድራቤታቶምን ንክኸውን እትድርኽ ጽሕፍቲ ክትከውን ድማ ተስፋና እዩ።

    እዞም ቀጺሎም ዝስዕቡ ምኽሪታት ድማ ኣብ ዙርያ እዘን ክልተ መሰረታውያን ጉዳያት የተኩሩ

    ቅኑዕን እዱብን ዝኾነ ስድራቤታዊ ሃዋህው ብምፍጣር፡ ዝዓበየ ረብሓታትና ምጉንጻፍ

    ንጠንቅታት ሕማቕ ተግባራትን ርኽሰትን ካብ ኣባይትና ብምእላይ ካብ ሓራም ምርሓቕ

    معلومات المادة باللغة الأصلية