×

ንምንታይ ንጸውም? ካብ ጾም ዝርከቡ ጥቕምታት ኣገደስቲ ነገራት ክንፈልጦም ዝግበኣና ብዛዕባ ጾም ሕግታት ናይ ጾም መን ንኽጸውም ግድነት ዘይኮኖ? ጾም ዘፍርሱ ነገራት ኣብ ግዜ ጾምካ እንተገበርካዮም ንጾምካ ዘይትንክፉ ፍቑዳት ዝኾኑ ነገራት (ትግርኛ)

መደላዊ: ኻሊፋ ሓመድ እስማዕል

Description

• እዚ መበል ስለ : ንምንታይ ንጸውም? ካብ ጾም ዝርከቡ ጥቕምታት ኣገደስቲ ነገራት ክንፈልጦም ዝግበኣና ብዛዕባ ጾም ሕግታት ናይ ጾም መን ንኽጸውም ግድነት ዘይኮኖ? ጾም ዘፍርሱ ነገራት ኣብ ግዜ ጾምካ እንተገበርካዮም ንጾምካ ዘይትንክፉ ፍቑዳት ዝኾኑ ነገራት ዝትገልጽ እያ

Download Book

ንምንታይ ንጸውም? ካብ ጾም ዝርከቡ ጥቕምታት ኣገደስቲ ነገራት ክንፈልጦም ዝግበኣና ብዛዕባ ጾም ሕግታት ናይ ጾም መን ንኽጸውም ግድነት ዘይኮኖ? ጾም ዘፍርሱ ነገራት ኣብ ግዜ ጾምካ እንተገበርካዮም ንጾምካ ዘይትንክፉ ፍቑዳት ዝኾኑ ነገራት

لماذا نصوم ؟ وما هي فوائد الصوم ؟ وما هي أحكامه ؟ وما مفسداته ؟ وعلى من يجب الصيام ؟ والأشياء التي يجب ان نعرفها في الصيام

< ቱሑዝቶ - تجرينى - tigrinya >

—™

بِسْمِ اللهِ الرَّحْمَنِ الرَّحِيْمِ

ኣገዳስቲ ሓቅታት ብዛዕባ ጾም!

بسم الله الرحمن الرحيم

· بسم الله الرحمن الرحيم

o ንምንታይ ንጸውም?

o ካብ ጾም ዝርከቡ ጥቕምታት

o ኣገደስቲ ነገራት ክንፈልጦም ዝግበኣና ብዛዕባ ጾም

o ሕግታት ናይ ጾም

o መን ንኽጸውም ግድነት ዘይኮኖ?

o ጾም ዘፍርሱ ነገራት

o ኣብ ግዜ ጾምካ እንተገበርካዮም ንጾምካ ዘይትንክፉ ፍቑዳት ዝኾኑ ነገራት

ብመጀመርያ ነቲ ነዚ ናይ ሎሚ ዓመት ሮሞዳን ዘብጻሓና ልዑል ፈጣሪ ኣላህ (ሱብሓነሁ ወተዓላ) ምስጋና ይብጻሓዮ፣ ነቲ ነዚ ዘለናዮ ናይ እስልምና ብርሃን ተሰኪሙ ካብ መንገዲ ጸላም ናብ መንገዲ ብርሃን ብሓይሊ ናይ ኣላህ ዝመረሐና ነብይና ሙሓመድ (ሰላላሁ ዓለይሂ ወሰለም)ን ንቤተሰቡን ንሰሓባን ንተኸተልቱን ኣማንን ሰላምን ካብ ኣላህ ይብጻሓዮም፣ ኣብዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ብዛዕባ ጾም ኣሕጽር ኣቢለ ክገልጽ እንከለኹ ካብቶም ክልተ ናይ እስልምና ምንጪ ዝኾኑ ቁርኣንን ሓዲስ ናይ ረሱል (ሰ.ዓ.ወ)ን ምርኩስ ብምግባር እየ፣

ኣላህ ብመጀምርያ ክፈጠርና ከሎ ንዕላማ ከምዝፈጠረና ኣብ ቁርኣን ሓቢሩና፣ ንዕኡ ጥራይ ክንግዝኦ ኢሉ ከምዝፈጠረና ብንጹር መልክዑ ገሊጹልና፣ ዝኾነ ነገር ብዘይ ዕላማ ኣይትግበርን እዩ፣ ኣላህ ድማ ንዓና ንደቂ-ሰባት ናብዚ ዓለም ኣምጺኡ ንኽንግዘኦ ምእንቲ ፈጢሩና፣

ሓደ ካብቲ ዓበይቲ ንኣላህ (ሱወ) ክንግዝኣሉ እንኽእለሉ መንገዲ ጾም እዩ፣ ኣላህ (ሱወ) ኣብ ቁርኣን ከምዚ ይብል።“ኣንቱም ዝኣመንኩም ከምቲ ነቶም ቅድኹም ዝነበሩ ኣህዛብ ጾም ዝኣዘዝኩዎም ንዓኻትኩም ውን ክትጾሙ ኣዚዘኩም ኣለኹ ምእንቲ ፍርሃት ረቢ ከተጥርዩ፣" ሱረተል በቐራ 2።183.

ካብዛ ልዕል ኢላ ዝተጠቅሰት ናይ ቁርኣን ጥቕሲ እዘን ዝስዕባ ኣገደስቲ ነጥብታት ክንርዳእ ንኽእል።-

1. ኣላህ ናይ ጾም ጻውዒት ክገብር ከሎ ነቶም ዝኣመኑ እዩ ጻዊዒቱ ኣቅኒዕዎ፣ እቶም ዘይኣመኑ ግና ነዚ ጻውዒት እዚ ኣይምልከቶምን እዩ፣ ንሕና ድማ ኣልሓምዱሊላህ ካብቶም ናይ ኣላህ ልግሲ ዝተዓደልና ኣመንቲ ምዃና ድማ ልዑል ምስጋና ከነብጽሕ ይግበኣና፣

2. ጾም ንዓና ናይ ነብይ ሙሓመድ ህዝቢ ጥራይ ዝተኣዘዘ ሓድሽ ትእዛዝ ዘይኮነ ቅድሜና ዝነበሩ ኣህዛብ'ውን ብመንገዲ ነብያቶምን ናብኦም ዝወረደ ቅዱስ መጻሓፍትን ኣቢሉ ኣላህ ክጾሙ ኣዚዝዎም ከምዝነበረ ክንርዳእ ንኽእል፣

3. ጾም ናይቲ መሬትን ሰማይን ዝፈጠረ ክኢላ ኣላህ ትእዛዝ ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል።። ንሕና ሰብ ንዘውጸኦ ሕግታት ከማን ተማእዚዝና ንኸይድ ዘለና ናይ ኣላህ ድማ ብዝያዳ ክንእዘዞን ከነተግብሮን ይግበኣና ፣

4. ኣብ መወዳእታ እቲ ቐንዲ ናይ ጾም ውጽኢት ድማ ተቕዋ ንምርካብ እዩ።።

· ተቕዋ ክበሃል ከሎ ኣብ ቁርኣን 3 ትርጉም ሒዙ ንረኽቦ።-

o ፍርሓት ናይ ኣላህ (ሱወ) ማለት እዩ።

o ተምበርካኽነትን ምእዙዝነትን ንሓደ ፈጣሪ ኣላህ ማለት እዩ።

o ልብኻ ኮነ ተግባራትካ ካብ ናይ ኩሉ ዓይነት ዘንቢ (ሓጥያት) ነጻ ምግባር ማለት እዩ፣ ነዘን ሰለስተ ዘማልአ ሰብ ተቕዋ ኣለዎ ንብሎ፣

ስያም(ጾም) እንታይ ማለት እዩ? እንታይ ዓይነት ጥቕምታት ከ ኣለዎ?

ስያም ማለት ናይ ዓረብኛ ቋንቋ ኮይኑ ኣብ እስልምና ካብ ቅድሚ ጸሓይ ምንራቓ ጀሚርካ ክሳብ ትዓርብ ዘሎ ጊዜ ካብ ንጾም ዘፍርሱ ነገራት ምርሓቅ ማለት እዩ፣ ንሳቶም ድማ።- መግቢ። መስተ። ምስ ሰበይትኻ ርክብ ምፍጻም። ካብ ሕማቅ ዘረባን ተግባራትን ምርሓቕ የጠቓልል፣

ልክዕ ከም ስግደት (ሰላት)። ሓጅን ሸሃዳን። ጾም ሮሞዳን'ውን ሓደ ካብቲ ዓንዲ ናይ እስልምና እዩ፣ ወርሒ ሮሞዳን ካብተን ካልኦት ኣዋርሕ ፍሉይ ዝገብራ ብልጫታት ኣለዋ።-

– እቲ ቅዋም ናይ ወድ ሰብ ኮይኑ ከገልግል ካብ ኣላህ ናብ ናይ መወዳእታ ነብይ ሙሓመድ (ሰዓወ) ዝወረደ ናይ መጨረስታ መጽሓፍ ቁርኣን። ካብ ኣላህ ናብለውሓልማህፉዝ ኣብ ግዜ ሮሞዳን እዩ ወሪዱ፣

– ሮሞዳን ክጅምር ከሎ መዓጹ ናይ ጀና ይኽፈት። መዓጹ ናይ ገሃነም ይዕጾ። ሰይጣውንቲ ድማ ይእሰሩ።

– ኣብ ሮሞዳን ከምቲ ዝድለ ኣገባብ ናይ ጾም ጌሩ እሞ ድማ ካብ ኣላህ ብልቢ ኣጅሪ ደልዩ ዝጾመ ናይ ዝሓለፈ ዘንብታቱ ይድምሰሰሉ፣

– ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምሸት ናይ ወርሒ ሮሞዳን ከኣ ኣላህ ካብ ናይ ሓዊ ገሃነም መቕጻዕቲ ነጻ ዝኾኑ ሰባት ብተግባሮም ይመርጽ፣ ስለዚ ወርሒ ሮሞዳን ደቂሰባት ካብ ሓቅ ገሃነም ነጻ ክኾኑ ዕድል ዝረኽብሉ ወርሒ እዩ፣

– ኣብ ወርሒ ሮሞዳን ሓንቲ ለይቲ ኣላ ለይለተል ቐድር ትበሃል ካብ 1000 ወርሒ ዝበለጸት። ብጀካ ኣብ ሮሞዳን ኣብ ካልእ ኣይትርከብን እያ፣

– ኣብ ወርሒ ሮሞዳን ሱና ከም ፈርዲ። ፈርዲ ድማ ከም 70 ፈርዲ ብተዓጻጻፊ ኣጅሪ ዝምዝገበሉ ወርሒ እዩ፣ ንኣብነት ሓንቲ ሰላት ክንዲ ናይ 70 ሰላት ኣጅሪ ይወሃበካ፣

– ኣብ ወርሒ ሮሞዳን ኣላህ ንሙእሚን ዝህቦ ናይ ጾም ዓስቢ ካብ ናይ ካልእ ዒባዳ ዝተፈልየ እዩ፣ ኣላህ ይብል። “ኩሉ ተግባራት ወድሰብ ንዕኡ እዩ። ጾም ግን ናተይ እዩ ኣነ እየ ድማ ዓስቡ ዝኸፍሎ"

– ሮሞዳን ኣብ መጀመርት ራሕማ ዝርከቦ። ኣብ ማእከሉ መቕፊራ ዝዕደለሉ። ኣብ መወዳእትኡ ድማ ካብ ሃዊ ገሃንም ነጻ ዝበሃለሉ ወርሒ እዩ፣

ንምንታይ ንጸውም?

ብተፈጥርኡ ወዲ ሰብ ኩሉ ግዜ ነቲ ዝገብሮ ነገራት ንምንታይ እየ ዘተግብሮ ዘለኹ ኢሉ ናይ ምሕታት ባህርይ ኣለዎ፣ ጾም ድማ ንምንታይ ይጸውም ኢሉ ክሓትት ይኽእል እዩ፣መልሲ ናይዛ ሕቶ እምበኣር ብሕጽር ብዝበለ መልክዑ ንሕና ባሮት ናይ ኣላህ ስለዝኾና ነቲ ኣላህ ዝኣዘዘና ናይ ጾም ትእዛዝ ንምትግባር እዩ፣ ስለዚ ንጹር ዝኾነ ናይ ኣላህ ግበሩ ዝብል ብመንገዲ ነብዩና ሙሓመድ (ሰዓወ) ኣቢሉ ስልዘተኣዘዝና ንምትግባር እዩ፣ ካብኡ ሓሊፉ ካልእ ኣማራጺ ስለዘይብልና፣ ምኽንያቱ ኣስላማይ ማለት ኩሉ እንትናኻ። ሓሳብካን ድልየታትካን ንናይ ኣላህ ድልየታትን ትእዛዛትን ምንብርካኽ ማለት እዩ፣ ኢስላም ማለት ብቋን

ኢብን ዑመር ዝተባህለ ሰሓቢ ካብ ረሱል (ሰዓወ) ከምዚ ክብሉ ሰሚዐ ይብሉ።

እስልምና ኣብዘን ሓሙሽተ ዓንድታት ዝቖመት እያ።-

1. ብጅካ ሓደ ኣላህ ካልእ ፈጣሩ ከምዘየለ። ሙሓመድ (ሰዓወ) ድማ ናይ መወዳአታ ልኡኽን ባርያ ናይ ኣላህን ምዃኑ ምምስካ።

2. ኣብ መዓልቲ ሓሙሽተ ግዜ ስግደት (ሰላት) ምስጋድ።

3. ካብቲ ኣላህ ዝሃበካ ገንዘብ ድማ ምምጽዋት (ዘካት ንድኻታት ምሃብ)

4. ኣብ ዓመት ሓንቲ ወርሒ ሮሞዳን ምጻም።

5. ኣብ ሂወትካ ሓደ ግዜ ሜካ በጺሕካ ናይ ሓጅ ኣገባብ ምፍጻም (ዓቕሚ ምስዝህልወካ)

ስለዚ ንሕና ኣስላም ኮይና ባሮት ናይ ኣላህ ካብ ኮና ነቲ ናቱ ትእዛዛት ካብ ምትግባር ሓልፍና ካልእ ኣማራጺ የብልናን፣ ኣላህ (ሱወ) ኣብ ቁርኣን ብመንገዲ ረሱል (ሰዓወ) ጌሩ ዝሃበና ፍቃድን ዝኣዘዘና ትእዛዛትን ተመሊሱ ንዓና ዝጠቅም ምዃኑ ክንዝንግዕ የብልናን፣ ምኽንያቱ ኣላህ ኣብ ቁርኣን ኩሉ ጸጽቡቑ ኣፍቂደልኩም ኩሉ ከኩፍኡ ድማ ከልኪለኩም ይብል፣ ነገራት በቲ ናትና ናይ ደቂ ሰባት መምዘኒ ክንርእዮ እንተፈቲና ንዓና ዝጎድኣና መሲሉ ዝረኣየና ጠቓሚና ሙዃኑ ድሒሩ እዩ ዝርደኣና፣ ንኣብነት ንምጥቃስ መስተ ጥቁም ክነሱ። ርውየት ዝህብ ሓንጎልካ ዘረሳርስ ኮይኑ ዝረኣየና ኣላህ ግን ከልኪሉና ምኽንያቱ ካብ ጥቅሙ ጉድኣቱ ስለዝዓቢ፣ ምስ ሰኸርካ ናይ ስድራ ምብትታን ይመጽእ። ምስ ሰባት ትበኣስ። ዘይተደልየ ሓራም ትፍጽም። ነብሲ ሰብ ተጥፍእ። ክብረትካ ይቕንጠጥ

ካብ ጾም ዝርከቡ ጥቕምታት

ካብ ጾም ዝርከቡ ጥቕምታት ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። ገለ ካብኦ ንምጥቃስ ዝኣክል።-

1. ናይ መንፈስ መግቢ እትረኽበሉ ወርሒ እዩ፣ ኣብ ወርሒ ሮሞዳን ብዝያዳ ናብ ኣላህና ቀሪብና ምእንቲ ናይ ኣላህ ፍቶት ንምርካብ ንኹሉ ስጋዊ ድልየታትና ነጺግና መንፈሳዊ መግቢ ንረኽበሉ ወርሒ እዩ፣ ቁርኣን ብምቕራእ። ሓሙሽተ ወቕቲ ሰላት ብግቡእ ብምምላእ። ተራዊሕ ብምስጋድ። ለይቲ ተሲእካ ብምስጋድን ዱዓ ብምግባርን ናብ ረቢ (ሱወ) ኣበርቲዕና መንፈስና ንምግበሉ ወርሒ እዩ፣

2. ናይ ተቕዋ ወርሒ እዩ። ካብ ኩሉ ዝዓበየ ናይ ጾም ጥቕሚ ተቕዋ ተጥርየሉ ወርሒ እዩ።። ከምቲ ኣብ መጀመርያ ጥቕሲ ተገሊጹ ዘሎ ቀንዲ ዕላማ ናይ ጾም ንሱ እዩ፣ ምኽንያቱ ኣብ ግዜ ጾም ንሓደ ኣላህ ከተሐጉስ ክትብል ካብቲ ኣላህ ሓላል ኢሉ ፍቁድ ዝገበሮም ነገራት ክትክልከል እንተደኣ ክኢልካ። ካብቶም ሓራም ዝኾኑ ነገራት ንኽትክልከል ነብስኻ ዓቢ ትምህርቲ ቀሲማ ፍርሃት ናይ ኣላህ ኣማዕቢላ ትወጸሉ ወርሒ እዩ፣ ልክዕ ከምቲ ንዝኾነት ማሺን ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ነቲ ዝመረተ ክፋላ ግሮሶን ዘይትን ጌርና ነሐድሶን ናይ ላቫጆ ሰርቪስ ንገብረሉ። ነዛ ነብስና ድማ ሓንሳብ ኣብ ዓመት ኣብ ወርሒ ሮሞዳን ዝተባህለት ጋራጅ ኣእቲና ዘድሊ ናይ መንፈሳዊ ላቫጆ እንህበላ ዓባይ ወርሒ እያ፣

3. ነብስኻ ትቐጽዓሉ ወርሒ እዩ። ከብድኻ ኣብ ዝመልኣሉ ግዜ ኩሉ ኣካላትካ ድልየታቱ ከማልእ ናብ ሓራም ዝኾኑ ተግባራት የቋምት። ኣብ ግዜ ጾም ግን ከብዲ ምስ ጠመየት ኩሉ ኣካላትካ ካብ ሕማቅ ተግባራት ተኸልኪሉ ናብ ናይ ኣላህ ትእዛዛት ኣብ ምትግባር ክቐንዕ ኣየጸግሞን፣ ጾም እምበኣር ንናይ ሰይጣንን ናይ ነብስኻን ፈተነ ክትስዕር ይሕግዝ፣

4. ጥሙይ ከምዘሎ ተስተብህለሉ ወርሒ እዩ። ኣብ ግዜ ጾም ከብድኻ ምስ ጠመየት ብዙሓት ሰባት ጠምዮም ዝበልዕዎ ዝሰኣኑ ሰባት ከምዘለዉ ኣስተብሂልካ እቲ ዝግበኣካ ሓልዮትን ሓገዝን ክትገብረሎም ከምዘለካ ተስተብህል፣ ከምቲ ኣብ መጓዓዝያ ተወጢሑ ዝኸይድ ሰብ ናይቲ ብእግሩ ዝኸይድ ዘሎ ሰብ ድኻም ዘይርደኦ። ጸዋማይ ድማ ኣብ ነብሱ ጥምየት ምስ ፈተና ናይ ካልኦት ሃለዋት ይፈልጥን ድኻ ሓገዝ ዘድልዮ ሰብ ከምዘሎን የስተብህል ።።

5. ናይ ሓድነት መረጋገጺ እዩ። ጾም ድማ ናይ ኩሎም ኣመንቲ እስልምና ኣብ ዓለም ዝርከቡ ሓድነት መርኣያ እዩ። ኩሎም ብሓደ ይጾሙ ብሓደ ድማ የፍጥሩ ንሓደ ኣላህ ድማ ይግዝኡ።። እዚ ጥቕሚ እዚ ኣብ ኩለን ዕንድታት ናይ እስልምና ይንጸባረቓ። ሸሃዳ ናይ እምነት ሓድነት። ሰላት ናብ ሓደ ቂብላ ወይ ኣንፈት ጌርካ ምስጋድ። ሓጅ ኣብ ሓደ መኣከቢ ቦታ ምእካብን ቀንዲ መርኣያ ናይ ሓድነት እስልምና እዩ፣

6. ናይ ምትእኽኻብ ወርሒ እዩ። ኣብ ግዜ ሮሞዳን የሕዋት ዝተኣኻከብሉ ብሓደ ኮይኖም ንኣላህ ዝግዝእሉ ዓቢ ናይ ዒባዳ መድረኽ እዩ። ነሕዋትካ ኣብ መስጊድ ኮነ ኣብ መኣከቢ ቦታታት ረኺብካ ብዛዕባ እስልምና ክትነግሮም ዕድል ትረክበሉ ኣጋጣሚ ከም ምዃኑ መጠን ድማ ነቶም ንነዊሕ ግዜ ካብ መንገዲ ኣርሒቆም ዝነበሩ የሕዋት ብልዙብ መልክዕ ስብከት ትገብረሎም።

7. ናይ ጥዕና ወርሒ እዩ። ከምቲ ናይ ጥዕና መጽናዕትታት ዝሕብርዎ። ዳርጋ ብዙሕ ዓይነት ሕማማት ቀንዲ ጠንቁ ካብ ምግቢ ዝመጽእ ምዃኑ እዮም ዝገልጹ፣ ኣብ ወርሒ ሮሞዳን ካብ መግቢ ተቆጢብካ ኣመጋግባኻ እንተሰሪዕካ ምሉእ ጥዕና ንኽትረክብ ዝዓበየ ተኽእሎ ኣሎ፣ ግን ኣብ መብዛሕትና ዝራኣይ ጌጋ ግን ኣብ ግዜ ሮሞዳን ብፍላይ ድማ ኣብ ግዜ ፉጡር ነህልኾ መግቢ ኣንጻር ናይቲ ክኾኖ ዘለዎ ምዃኑ እቲ ዕላማ ይሰሓት፣

8. ሰብሪ: ተጻዋርነትን ነብሰ-ምቁጽጻርን ተጥርየሉ ወርሒ እዩ። ኣብ ግዜ ጾም ነብስና ትደልዮ ኩሉ ከልኪልና ጥምየት። ጽምእን ስምዒታትናን ተቆጻዊርና ስለንውዕል። ነብስና ዓቢ ናይ ሰብሪ ትምህርቲ ቀሲማ ትወጽእ ማለት እዩ፣ብተወሳኺ ትሕትና። ስነስርዓትን ተምበርካኽነት ንሓድ ኣላህን ትመሃረሉ እዩ፣

9. መጠን ኣልቦ ዝኾነ ኣጅር ዝርከበሉ ወርሒ እዩ። ጸዋማይ ካብ ኣላህ ብዘይ መጠን መቑጸሪ ዘይብሉ ንሱ ጥራይ ዝፈልጦ ኣጅሪ ይረክብ።

10. ዱዓ ቅቡል ዝኾነሉ ወርሒ እዩ። ኣብ ግዜ ጾምካ ዝገበርካዮ ዱዓ ካብ ኣላህ ተቐባልነት ትረክብ፣ ዱዓኽእ ተሰሚዑ ኣብቲ ኣላህ ዝደልዮ ግዜን ኩነታትን ድማ ናይ ዱዓኻ ቅጽኢት ትረክብ፣

11. ጸዋማይ ክልተ ሓጎስ ኣለዎ። ጸይሙ ውዒሉ ከፍጥር ከሎን ኣብ የውመልቅያማ ናይ ዝጾሞ ዓስቢ ካብ ኣላህ ክረክብ ከሎን።

12. ጾም ዋሕስ እዩ። ጾም ኣብቲ ናይ መወዳአታ መዓልቲ ናይ ፍርዲ ግዜ ንጸዋማይ ይዋሓሶ። “ኦ ኣላህ ካብ መግቢ። መስተን ካልእ ድልየታቱን ከልኪለዮ ውዒለ እየ እሞ ክዋሓሶ ኣፍቅደለይ" ይብል።። ንጸዋማይ ከኣ ኣብ የውመልቅያማ ከም ሓያል ድርዒ ኮይኑ ካብ ናይ ሓዊ ጀሃነም ሓዊ ይከላኸለሉ፣

ሓንቲ መዓልት ንኣላህ ኢልካ ዝጾምካዮ ኣላህ ኣብ የውመልቅያማ ክንዲ ናይ 70 ዓመት መንገዲ ርሕቀት ካብ ጀሃነም የርሕቀካ፣ ሓንቲ መዓልት ንኣላህ ኢልካ ዝጾምካዮ እሞ ድማ እታ መዓልቲ ናይ መወዳእታ ናይ ሂወትካ ጊዜ እንተኮይና ኣላህ ንጀና የእትወካ።። ኣብ ጀና ድማ ረያን ትበሃል ኣፍደገ ኣላ ብጀካ ጸወምቲ ካልኦት ዘይኣትውዎ ኣብ የውመልቂያማ ጸዋማይ በታ ማዕጾ እቲኣ ይኣቱ።። ናይ ጸዋማይ ናይ ኣፉ ሽታ ድማ ኣብ የውመልቅያማ ኣላህ ካብቲ ናይ ጀና ጨና (ሚስክ) ዝበለጸ ይገብረሉ።።

ኣገደስቲ ነገራት ክንፈልጦም ዝግበኣና ብዛዕባ ጾም

– ብሓፈሽኡ ጾም ኣብ ክልተ ዓይነት እዩ። ንኽትጾሞም ግድነት ዝኾኑኻን እንተጾምካዮም ፍትዋትን ተባሂሎም ከኣ ይጽውዑ፣ እቲ ግድነት ጾም ንብሎ ኣብ ሮሞዳን ንወርሒ መመላእታ ንኽንጾሞ ዝተእዘዝናዮ ክኸውን ከሎ። እቲ ፍትው ዝበሃል ዓይነት ጾም ግን ብወለንታኻ ትጾሞ ጾም እዩ፣ ኣብ ሰሙን ክልተ ጊዜ ሶኒን ሓሙስን። ሰልሰተ ግዜ ኣብ ወርሒ። ኣብ ግዜ ዓረፋ ናይ ሓጅ ዝጽወም ኣብነት ናይ ፍቱዋት ዓይነታት ጾም እዮም፣

– ኣብ ግዜ ሮሞዳን ድማ ኣሹሑር ዝኾነ ክንበልዕ በረካ ከምዘለዎ ክንፈልጥ ይግበኣና። ወላ ሃንቲ መዓጎ ማይ ሰቲና ወይ ተምሪ በሊዕና ንድቅስ። ብዝተኻእለ መጠን ድማ ናብ ኣሱብሒ ዝቀረበ ጌርና ኣሹሁር ከነዶንግያ ይምረጽ።

– ፍጡር ከይነዶንጊ ብዝተኻእለ መጠን ጊዜኣ ምስ ኣኸለት ከይተዶናገና ከነፍጥር።

– ከምቲ ኣብ ሓዲስ ኣገባብ ኣፈጣጥራ ተገሊጹ ዘሎ ኣብ ግዜ ፍጡር ድማ እንተተረኺቡ ብጥሉል ተምሪ። እንተዘየሎ ብንቁጽ ተምሪ። እንተዘየሎ ድማ ብማይ ከነፍጥር ፍቱው ይኸውን። ከተፍጥር ከለኻ ድማ ዝበሃል ዱዓ ትብል “እቲ ጽምኣት ረውዩ። መትንታት ተዓንጊሉ። ፍረ ጻማ ናይ ጾም ካብ ኣላህ ድማ ርጉጽ እዩ ኢንሻላህ።"

– ኣብ ግዜ ጾም ካብ ኩሉ ረቢ ዝጸሎኦም ተግባራት ክትክልከል ኣለካ።። ዝጾመ ሰብ ካብ ኩሉ ዓይነታት ዘንቢ ክኽልከል ኣለዎ፣ ካብ ሕምየታ። ጸርፊ። ሓሲኻ ምብኣስ። ዘይድልየካ ካብ ምርእይን ምስማዕን። ንሰብ ምዕማጽ ኮታ ካብ ኩሉም ዓይነታት ጎዳእቲ ሕማቅ ተግባራት ክትቁጠብ ይግባእ፣ እቶም ዘይተቆጠቡ ብጀካ ጥምየትን ጽምእን ካልእ ጥቅሚ ዘይረኽብሉ ሰባት ከይትኸውን ምጥንቃቅ፣

– ጠምየ እየ ውዒለ ኢልካ ብዙሕ ዘይምብላዕ።።

– ኣብ ግዜ ሮሞዳን ድማ ብተዓጻጻፊ ሰብ ምሕጋዝን ብዘለካ ዓቅሚ ምድጋፍን ካብቲ ከምልጠና ዘይብሉ ዕድል እዩ ምኽንያቱ ኣብዚ ናይ ራሕማ ዝኾነ ወርሒ ሓሰናት (ጽድቂ) ዝተዓጻጸፈሉ ወርሒ ስለዝኾነ፣

– ኣብ ግዜ ፍጡር ድማ ዱዓ ከተብዝሕ፣ ከምቲ ረሱል (ሰዓወ) ዝበልዎ። “መሳርሒ ናይ ሙእሚን ዱዕእ እዩ፣" ኣብ ካልእ ሓዲስ ድማ ረሱል (ሰዓወ) ከምዚ ይብሉ። “ዱዓ ሓንጎል ናይ ዒባዳ እዩ፣"

ሕግታት ናይ ጾም

ልክዕ ከምቶም ካልኦት ዓይነታት ዒባዳ። ጾምውን ናቱ ዝኾነ ሕግታትን ደንብታትን ኣለዎ፣

መን ንኽጸውም ግድነት ይኾኖ?

ኣብ እስልምና እዞም ዝስዕቡ ሰባት ንኽጾሙ ግድነት ይኸውን። እንተዘይጸይሞም ግን መቅጻዕቲ ካብ ኣላህ ኣለዎም ማለት እዩ። ንሳቶም ከኣ።- –

· ዓቕሚ ኣዳም ዝበጸሐ (ዘይበጽሑ ሰባት ግን ክለማመዱ ቀስ ኢሎም ክጾሙ ይኽእሉ እዮም)

· ኣስላማይ ወይ ኣስላመይቲ ክኸውን ኣለዎ ምኽንያቱ ኣላህ ነቶም ዝኣመኑ እዩ ጾም ፈርዲ ጌርሎም ዘሎ።

· ኣእምሩኡ ብግቡእ ዝፈልጥ (ጥዑይ ሰብ)

· ክጸውም ንዝኽእል (ሕሙም። ገያሻይ ቆልዓ ኣይምልከቶምን)

· ነባሪ (ማለት ናይ ነዊሕ ጉዕዞ ገያሻይ ዘይኮነ)

· ካብ ናይ ኣዴታታ ወይ ድማ ካብ ናይ ድሕሪ ወሊድ ዝመጽእ ደም ነጻ ዝኾነት (ንደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት)

ኣገዳሲ ነጥቢ። ናብ እስልምና ዝኣተወ። ኣእምሩኡ ስሒቱ ኔሩ ናብ ንቡር ዝተመልሰ። ናይ ኣዴታታ ወዲኣ ደው ዝበለላን ዝነቀጸላ ሰበይቲ። ቆልዓ ነይሩ ዓቅሚ ኣዳም ዝበጸሐ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም ዘርከቡለን ናይ ሮሞዳን መዓልታት ክጾሙ ይግባእ፣

መን ንኽጸውም ግድነት ዘይኮኖ?

· ከምቲ ኣብ ቁርኣን ተጠቂሱ ዘሎ ገያሻይ ኣብ ግዜ መገሻ ንኸይጸውም ምሕረት ተጌርሉ እዩ፣ እቲ መገሻ ግን ነዊሕን ኣድካምን ምስዝኸውን ከተፍጥር ፍቑድ ይኸውን። ኣብ ካልእ ግዜ ግን ናይተን ዘፍጠርካየን ዝሓለፋኻ መዓልታት ጸብጺብካ ትጾመን (ቀዳእ ይበሃል)

· ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎ ሕሙም ድማ ካብ ጾም ነጻ እዩ፣ እቲ ሕማም ግዚያዊ ኮይኑ ክሓዊ ዝኽእል እንተኾይኑ ኣብ ዝሓወየሉ ክጸውም ይጅምር ናይተን ዝሓለፈኦ ድማ ኣብ ካልእ ግዜ ይጾመን (ይቐድየን)

· ናይ ዕድመ ሰብ ጸጋ ድማ ብሰንኪ ዕብየቶም ጾምን ድኻምን ክጻወሩ ዘይክእሉ ድማ ኣይጾሙን እዮም።። ግን ነቲ ክጸሙዎ ዝግበኦም ናይ ወርሒ ሮሞዳን ጾም ግን ብውህበት ይትክእዎ.. ንዘይብሉ ድኻ የብልዑ።።

· ነፍሰ-ጾር ወይ ድማ ኣጣባዊት ዝኾነር ነንብሳን ንወዳን ትፍርህ ሰበይቲ ከተፍጥር ይፍቀደላ እዩ።። ግን ልክዕ ከምቲ ካልእ ድሕሪ ናይ ምጥባው ግዜ ምዝዛምን ናይ ምውላድ ግዜ ምስ ዝበጽሕን ቀዳእ ኢላ ክትጾሞ ኣለዋ፣

· ኣብ ግዜ ኩናት ምስ ጸላኢኻ ኣብ ትገጥመሉ ጾም ከድክመኒ ይኽእል እዩ እንተደኣትብል ኮንካ ከተፍጥር ትኽእል።

ጾም ዘፍርሱ ነገራት

· እንዳፈለጥካ ምብላዕ ወይ ምስታይ

· ብፍላጥ ኢድካ የእቲኻ ምምላስ

· ናይ ኣዴታት እንተደኣ መጺኡዋ

· ድሕሪ ወሊድ ደም ምስ ዝፈሳ

· ናይ ሓይሊ ተባሂሉ ዝውሰድ መግቢ ምስትወሲድ

· መድሃኒት ከኒና ኮነ መራፍእ ምስትወስድ

· ኣብ ግዜ ጾም ምስ ሰበይትኻ ርክብ ምስትፍጽም

ኣብ ግዜ ጾም ብዘይፍላጥ ትበዖን ትሰትዮን ጾም ኣየፍርስን እዩ ኣብታ ዝዘከርካላ ግን ከተቋርጾ ኣለካ፣ እንዳፈልጥካ ምብላዕን ምስታይን ከምኡ ድማ ምስ ሰበይትኻ ርክብ ምፍጻምን እቲ ዝዓበየ ዘንቢ ስለዝኾነ ክንጥቀቀሉ ይግበኣና፣ ምትካኽ ሽጋራ ጾም የፍርስ እዩ፣

ኣብ ግዜ ጾምካ እንተገበርካዮም ንጾምካ ዘይትንክፉ ፍቑዳት ዝኾኑ ነገራት

· ኣብ ዝኾነ ግዜ ምሉእ ኣካላትካ ወይ ክፋል ናይ ኣካላትካ ብማይ ምሕጻብ።

· ከም ኩሕሊ። ናይ ዓይኒ ወይ ናይ እዝኒ ነጥቢ ዝእመሰሉ ነገራት።

· ንሰበይትኻ ምስዓም ወይ ምትንኻፍ (ነብሱ ክቆጻጸር ንዝኽእል ሰብ):

· ብኣፍካ ኮነ ብኣፍንጫኻ ማይ ምጉጽጓጽ። ማይ ከየስቶኽካ ንውሽጢ

· ጥፍጣፍካ ምውሓጥ።

· ብዘይደለኻዮ ከተምልስን ደቂስካ ከለኻ ዝፈሰካ ነገራትን ንጾም ኣየፍርስዎን እዮም፣

ረቢ ጾምና ተቐቢሉ ካብቶም ናይ ሎሚ ሮሞዳን ካብ ሓዊ ገሃነም ነጻ ዝበሎም ይግበረና ኣሜን!

معلومات المادة باللغة العربية