×

التمسك بالدين والابتعاد عن الابتداع (تجريني)

الوصف

مقالة باللغة التجرينية، تحدث الكاتب فيها حول موضوع التمسك بالدين والابتعاد عن الابتداع.

تنزيل الكتاب

    ዲን ምትሐዥን ካብ ብድዓ ምርሐቂን

    ደራሲ

    ዳር - አል - ኑር

    —™

    ከላሲ ( ዳጊም አራሚ)

    ካሊፋ ሐማድ እስማዕል

    ዓብዱልቃድር ሙሐመድ አዋል

    التمسك بالدين والابتعاد عن الابتداع

    اسم المؤلف

    دار – النور

    —™

    اسم المحقق أو أي معلومة إضافية

    خليفة حمد اسماعيل

    عبد القادر محمد أول

    بسم الله الرحمن الرحيم

    ኣሰላሙ ዓለይኩም ወራሕመቱላህ ወበረካትሁ! ኣንቱም ዝኣመንኩም: እስልምና ካብ ኩለን ሃይማኖታት እቲ ዝበለጸ ዲን: ሕግታቱን ኣገባባቱን ምሉእ: ብዛዕባ ኣዱንያን ኣኼራን ዝጠርንፍ: ንመንፈስና መጊቡ ንነብስና ዘይረሰዐ ዲን: ንኣኼራ ቀዳምነት ሂቡ ንኣዱንያ ሸለል ዘይበለ ዲን: ከምቲ ረቢ (ሱ.ወ) ኣብ ቁርኣን ኣብ ሱረቱል ቀሰስ ዝበሎ:-


    (وَابْتَغِ فِيمَا آتَاكَ اللَّهُ الدَّارَ الآخِرَةَ وَلا تَنسَ نَصِيبَكَ مِنْ الدُّنْيَا) [القصص: 77]


    ዲንና: ክቡራት ሙእምኒን የሕዋተይ: ማእከላይ ዲን ኮይኑ ኣኽራርነት ዘይብሉ ሸለልትነት: ኣዱንያ ረሲዕካ ደብሪ እቶ ዘይብል: እንተኾነ ግዳ ኣብ ኣዱንያ ብዙሕ ጠሊቕካ ኣኼራ ንኸይትርስዕ ዝምህር ዲን: ኣብ ኣካይዳኻ ካብ መጠን ንላዕሊ ነብስኻ ፈቲኻ ቦሽቦሽ ከይትብል ብኣንጻሩ ድማ ካብ ዓቐኑ ዝሓለፈ ነብስኻ ረሲዕካ ነብስኻ ንኸይተውድቕ ዝዕድም ማእከላይ ዲን እዩ:: ነዚ ብዝምልከት ኣብ ቁርኣን ረቢ (ሱ.ወ) ኣብ ሱረቱ-ኣልበቐራ ከምዚ ይብል:-

    (وَكَذَلِكَ جَعَلْنَاكُمْ أُمَّةً وَسَطاً لِتَكُونُوا شُهَدَاءَ عَلَى النَّاسِ وَيَكُونَ الرَّسُولُ عَلَيْكُمْ شَهِيداً) [البقرة: 143].

    ብምቕጻል: ኣብዘን ዝመጻ ዘለዋ ውሑዳት መዓልታት ከምቲ ዝብልዎ ''መዓልቲ ፍቑራት!'' ዝበሃል ይመጽእ ኣሎ: ክቡራት የሕዋተይ ትፈልጡ ዶ ሓቅነት ናይዚ መዓልቲ እዚ? ሓቲትክሙሉ ዶ ትፈልጡ ካበይን ብኸመይ ከምዝመጸ? ንሓዊ ዝኣምኑ ዝነበሩ ሮማውያን ኣህዛብ ኣብ መበል 15 ፌብርዋሪ ናይ ኩሉ ዓመት የብዕሉ ነበሩ: እዛ መዓልቲ እዚኣ ብናታቶም ናይ ቀውዒ ዕረፍቲ ዝኾነሉ ግዜ እዩ ዝውዕል ዝነበረ:: ኣብቲ ግዜ: ኣብ መጀመርታ ናይ ክርስትና ሃይማኖት ጎስጓስ ዝግበረሉ ዝነበረ ግዜ ኮይኑ: ኢምብራጦር ክላይዲስ ካልኣይ: ዝኾነ ወተሃደር ንኸይምርዖን ቃል ኪዳን ንኸይኣስርን ዝኽልክል ውሳነ ኣወጀ:: ቫለንታይን ዝተባህለ ተኸታሊ ክርስትና ዝነበረ ሰብኣይ: ነዚ ውሳነ እዚ ብምቅዋም ብሕቡእ መንእሰያት ከመርዕዎምን ቃል ኪዳን ክእስሮምን ጀመረ:: ጉዳዩ ምስ ተቓለዐ ከኣ ብሞት ክቕጻዕ ተፈርደ:: ኣብ እስር-ቤት እንከሎ ድማ ንጓል'ቲ ዝኣሰሮ ኢምብራጦር ፈተዋ: ብድሕሪ እዚ ኢምብራጦር ከምዚ ክብል ተማሕጸኖ:-'' እንተደኣ እምነተ-ክርስትና ገዲፍካ ናይ ሮማናውያን እምነት ኣሚንካ: ምሉእ ምሕረት ክእዝዘልካ እየ: ጓለይ ኣመርዕየ ድማ ካብቶም ናባይ ዝቐረቡ ሰባት ክገብረካ እየ'' ምስ በሎ: ንሱ ግና ነዚ ጉዳይ ኣይተቐበሎን ጥራይ ዘይኮነ ነታ ዝፈትዋ ጓል ገዲፉ ኣብ ክርስትና ክመውት መረጸ: ኣብ መበል 14 ፈብሩዋሪ 270 ዓ.ም ናብ 15 ፌብርዋሪ ዘውግሕ ለይቲ ናይ ሞት መቕጻዕቱ ተወሲንሉ ተቐትለ:: ካብዚ ግዜ እዚ ጀምሮም: ብዙሓት ሰባት ነዚ ሰብ ከም ሓደ ቅዱስ ሰብ ክወስድዎ ጀመሩ:: ክርስትና ናብ ኤውሮፓ ምስተስፋሕፈሐ ከኣ ንዕኡን ንተግባራቱን ንምዝካር ''መዓልቲ ፍቑራት'' ዝብል ሽም ሂቦም ክምትበዓል ገበሩ:: ብሽሙ ተጸዊዓ ''ቫለንታይንስ ደይ!'' ተባሂላ ነቲ ዝገበሮ መስዋእቲ ንምዝካር ክሳብ ሕጂ ትበዓል ኣላ:: ነዚ ተጠቂሞም ድማ ብዙሓት ነጋዶ ከም ናይ ንግድን መኽሰብን መዓልቲ ወሲዶም ይኸስቡላን ንሰባት ይምዝምዙላን ኣለው:: እሞ ክቡራት የሕዋተይ እዚ እዩ መዓልቲ ፍቑራት መዓልቲ ቫልንታይን! ካብቲ ዘሕዝን ነዚ ታሪኽ እዚ ብግቡእ ካብዘይምፍላጥ: እኹል ዕልሚ ሃልዩ ኢማን ካብዘይምህላው: ሰብ ጌርዎ ኢልካ ኣመጻጽእኡ ካብዘይፍላጥ: ዓገብ እዚ ጌጋ እዩ ዝብል መዓዲ ካብዘይምህላው: መንእሰያት: ደቂ ተባዕትዩ ኮኑ ደቂ ኣንስትዮ: ነዛ መዓልቲ መዓስ እያ ትመጽእ እንዳበሉ ክጽበዩን ህያባት ክለዋወጡን ይረኣዩ:: ኣብቲ መዓልቲ ቀይሕ ክዳን ተኸዲንካ: ቀይሕ ፍየሪ ምስ ካርተሊና ህያባት ተለዋዊጥካ: እንኳዕ ኣብጸሓና ኣብጸሓኩም ተባሃሂልካ: ሰብ ሓዳር ምስ ኣንስቶም: የዕሩኽቲ ምስ የዕሩኽቶም ከም መርኣያ እምነቶምን ጽንዓቶምን ኣብ ፍቕሪ ተወሲዱ ኣብዚ መዓልቲ ንሰበይቱ ህያብ ሂቡ እንኳዕ ኣብቀዓና ዘይበላ ሰብኣይ ከምዘይግደሰላን ከምዘይፈትዋን መሲሉ ክሳብ ዝረኣየሉ ደረጃ በጹሑ ሱብሓነላህ!! ክቡራት ሙስልሚን የሕዋተይ: ኩላትና ኣመንቲ እስልምና: እዚ ጉዳይ እዚ ካብ ዲን ዝረሓቐ: ኣብ ዲንና ተቐባልነት ዘይብሉን ሓድሽ ነገርን (ቢድዓ) ኮይኑ ናብ ናይ ክሕደት ጎደና ዝመርሕ ኣሰካፊ ጉዳይ ምዃኑ ክንፈልጥ ይግበኣና:: ነዚ መሰረት ዘይብሉ ፍሹል ዝኾነ መዓልቲ ከተብዕል ብስምምዕ ኩሎም ዑለማእ ናይ እስልምና ሓራም ምዃኑ ኣይንዘንግዕ:: ሓደ ኣማኒ ክርስትና ዘበገሶ ስለዘኾነ ጥራይ ዘይኮነ ወላ'ውን ሓደ ኣማኒ እስልምና ዝኾነ ጌርዎ እንትዝኸውን ተቐባልነት ኣይምሃለዎን ጥራይ ዘይኮነ ዝያዳ ምስ ተጸልኣን ምኽንያቱ እቶም ብጀካ ረቢ ዝኣዘዞም ካብ ርእሶም ዘይዛረቡ: መፍትሕ ናይ ኩሉ ኼር ኣረኪቦምና ዝኸዱ ረሱል (ሰ.ዓ.ወ): ኣብ ሓደ ሓዲስ:-

    "من أحدث في أمرنا هذا ما ليس منه فهو رد"

    '' ኣብዚ እስልምናና ሓድሽ ነገር ኣምጺኡ ዘተኣታተወ: ንጹግ (ቅቡል ኣይኮነን)'' ኢሎም:: ሓደ ጊዜ ረሱል (ሰ.ዓ) ናብ መዲና መጺኦም: ደቂ መዲና ብኣጋጣሚ ዒድ ናይ ጃሂሊያ ከብዕሉን ክጻወቱን ምስ ረኣይዎም:- ''ካብዚ በዓላት እዚ ዝበልጽ ክልተ ዒድ ረቢ መተካእታ ሂብኩም ኣሎ: ንሳተን ድማ ዒድ ኣልኣድሓን: ዒድ ኣልፈጥርን'' እየን በልዎም:: ኣልሓፍዝ ኢብኒ ሓጀር (ናይ ረቢ ራሕማ ይውረዶ) ካብዚ ሓዲስ እዚ ብምብጋስ: ''ዝኾነ ናይ ካልኦት እምነት በዓላትን: ናይቶም ዝኸሓዱ ሙሽሪኪን ፌስታታትን ንኸይነብዕልን ምስኦም ሓቢርና ንኸይንውዕልን ክንርዳእ ንኽእል ይብል'':: ረቢ (ሱ.ወ) ድማ ኣብ ቁርኣን ኣብ ሱረቱል- ማኢዳ ኣብ መበል 57 ኣያ ኣሰር ናይቶም ቅድሜና ዝነበሩ ዝኸሓዱ ሰብ መጽሓፍ ኮነ: ነቶም ንእምነትና ዲነል-ኢስላም ዘቆናጽቡን ዘነኣእሱን ከይንስዕብ ኣትሪሩ ኣጠንቂቑና እዩ::


    (يَا أَيُّهَا الَّذِينَ آمَنُوا لا تَتَّخِذُوا الَّذِينَ اتَّخَذُوا دِينَكُمْ هُزُواً وَلَعِباً مِنْ الَّذِينَ أُوتُوا الْكِتَابَ مِنْ قَبْلِكُمْ وَالْكُفَّارَ أَوْلِيَاءَ وَاتَّقُوا اللَّهَ إِنْ كُنتُمْ مُؤْمِنِينَ) [المائدة: 57

    ነዚ ሓቂ ድሕሪ ምፍላጥ: ሓደ ኣስላማይ ከመይ ጌሩ ነዚ ጉዳይ ፈትዩ ክቕበሎ ይኽእል? ነዚ ናይ ጥፍኣት መንገዲ: ኣብ እስልምና ቦታ ዘይብሉ ሓድሽ ነገር ናይ ክሕደት ተግባር ከመይ ጌሩ ከተግብሮ ነብሱ ይገብረሉ? ብኸመይ ከ ነዚ ቫለንታይን ዝተባህለ ቀሺ: እሞ ድማ ሰልስተ-ስላሴ እንዳበለ ረቢ መሓዛ ኔራቶ ውላድ ኣለዎ ዝብል ዝነበረ ሰብ ተኸቲሉ መዓልቲ ፍቁራት ኢሉ ንኸብዕል ሓንጎሉ ይቕበሎ? ንሕሰበሉ'ሞ የሕዋት: ዲንና ዲነል-ኢስላም ካብዚ ብዝተዓጻጸፈን ዝበለጸን ናይ ፍቕርን ናይ ፍቶትን ትምህርቲ ምሂሩናን ኣፍሊጡናን እዩ ንዕኡ ከነተግብር ንበገስ:: እዞም ናይ ፍቕሪ ተጣበቕቲ ኢና በሃልቲ ብዛዕባ ፍቕርን ፍቶትን ተዛሪቦም እንተለፍለፉ: ተግባራቶም የቃልዖም: ጠባያቶም መን ምዃኖም የግህዶ ኣሎ: እስልምና ግና ኣብ ፍቕርን ፍቶትን: ለውሃትን ድንጋጸን ዝቖመ ዲን እዩ:: ዲንና ዲነል-ኢስላም ኣብ ፍቕሪ ዝተመርኮሰ: መሰረት እምነት ብፍቅሪ ናይ ኣላህን ረሱልን ዝተሃንጸ እዩ ምኽንያቱ ንኣላህ (ሱ.ወ)ን ንረሱል (ሰ.ዓ.ወ)ን ከምኡ'ውን ነቲ ናይ እስልምና ደንብታትን መምርሕን (ሸሪዓን) ዘየፍቀረን ዘይፈተወን ሰብ ምሉእ እምነት ኣለኒ ክብል ኣይክእልን እዩ:: ሓደ ኣስላማይ ከምቲ ንነብሱ ጽቡቕ ዝደልየላ ነሕዋቱን ጽቡቕ ይፈትወሎም: ንወለዱ ኣፍቂሩ ይእዘዞም: ጉቡኦም የማላኣሎም እምበር ኣይብድሎምን: ይሕብሕቦም ኣይድርብዮምን: በቲ ሓደ ወገን ድማ ንደቁ የፍቅሮምን ይከናኸኖምን ጽቡቕ ኣተዓባብያ ጌሩ ድማ የዕብዮም:: ኣስላማይ ንሰበይቱ ይፈቱ: የኽብራ እምበር ኣይንዕቃን: ጉቡኣ የመላኣላህ እምበር ኣይጉድለላን: ይሕግዛ እምበር ባርያ ኣይገብራን:: ኣስላማይ የሕዋቱ ይፈቱ: ይምዕዶም እምበር ኣየጋልጾምን: ይበጽሖም እምበር ኣይቆርጾምን: ይጽውዖም እምበር ኣይጎስዮምን: ክብረቶም ይሕልወሎም እምበር የስተናእሶምን:: ከምቲ ኩላትና ንፈልጦ: እቶም ብሌን ዓይንና ዝኾኑ መምህርና ነብይና ሙሓመድ (ሰ.ዓ.ወ): ኣብ ናይ ፍቕሪ ጉዳይ ዓቢ ኣብነትና እዮም: እቲ ዝበለጸ ናይ ፍቕሪ ትምህርቲ ብግብሪ ኣርእዮምና ሓሊፎም: ስትና ዓኢሻ (ረ.ዓ) ብዛዕባ ናይ ረሱል ፍቅሪ ኣብ ልዕሊ እታ ቐዳመይቲ ሰበይቶም ስትና ኸዲጃ ከመይ ከምዝነበረ ክተዘንትወልና እንከላ ከምዚ ትብል:- '' ካብ ኩለን ኣንስቱ ንረሱል ከም ናይ ኸድጃ ጌሩ ዘቕነኣኒ ኣይነበረን ምኽንያቱ ብዙሕ ጊዜ ይዝክርዋ ስለዝነበሩ'' ትብል:: ኣብ ካልእ ሓዲስ: ስትና ዓኢሻ ከምዚ ትብል:- ''ካብ ምሒር ምዝካር ንስትና ኸድጃ: ሓደ ሓደ ግዜ ሕሩድ ሓሪዱ ንመሓዙታን ፈተውታን ሰደቓ ይህብ ኔሩ'' ትብል:: እዚ ኩሉ ክቡራት የሕዋተይ ብዙሕ ዓመታት ድሕሪ ምሟት ስትና ኸድጃ እዩ: ግን ረሱል (ሰ.ዓ) ሓቀኛ ኣፍቃሪ: እሙን: ዘይጠልሙን ኣብ መብጽዓኦም ዝጸንዑ ስለዝነበሩ:: ብተወሳኺ ፍቕሪ ምስ ኣሕዋትና ሓንቲ ካብተን ንጀና ንኽንኣቱ ምኽንያት ዝኾናና ጉዳይ ጌሩልና: ነዚ ኣመልኪቶም ረሱል (ሰ.ዓ.ወ):- ''ጀና ኣይክትኣትውዋን ኢኹም ክሳብ ትኣምኑ: ኣይክትኣምኑን ድማ ኢኹም ክሳብ ትፋቐሩ: ክነግረኩም ዶ ሓደ ተግባር እንተደኣ ኣተግቢርኩሞ ትፋቐሩን ትፋተዉን? ኣብ ሞንጉኹም ሰላምታ ኣብዝሑ (ዘርግሑ)''



    "لا تدخلوا الجنة حتى تؤمنوا، ولا تؤمنوا حتى تحابوا، أولا أدلكم على شيء إذا فعلتموه تحاببتم؟! أفشوا السلام بينكم"

    ክብሉ ፍቕሪ ምስ ኣሕዋትካ ንኢማን: ኢማን ድማ ንጀና ከምዝመርሕ ሓቢሮምና:: ኣብ ካልእ ሓዲስ ረሱል (ሰ.ዓ) ምእንቲ ክንፋተውን ክንፋቐርን: ''ህያብ ተለዋወጡ: ተፋተው!'' ኢሎምና:: ክምኡ'ውን ኣብ ካልእ ሓዲስ:- ''ሓደ ካባኻትኩም ንሙስሊም ሓው እንተደኣ ዝፈትዎ ኮይኑ ከምዝፈትዎ ይንገሮ'' ብምባል ኣብ ሞንጎና ፍቕርን ፍቶትን ከነንግስ ኣተባቢዖምናን ኣዚዞምናን::

    "إذا أحب الرجل أخاه فليخبره أنه يحبه"

    ረሱል (ሰ.ዓ) ኣብ ሞንጎ ሕብረተ-ሰብ ፍቕሪ ክነግስ: ጽልኢ ክቕንጠጥ: ንፍቕሪ ዝዕድም ተግባር ክምጎስ: ንጽልኢ ዝዕድም ተግባር ድማ ክውገዝ ምሂሮምን ብግብሪ ኣርእዮምናን ከይዶም:: ክቡራት ሙእሚኒን የሕዋተይ!! ካብዚ ናይ ክሕደት በዓላት ንከልከል: ነሕዋትና'ውን ክኽልከሉ ዳዕዋ ንግበረሎም: ብዲንና ንኹራዕ: ካብቶም ናይ ጥፍኣት መንገዲ ሒዞም ዝጠፍኡ ዘለዉ ንርሓቕ: ኣሰሮም ከይንኽተል: ተግባራቶም ከይንቐድሕ: በቲ ግጉይ ዝኾነ ኣተሓሳስብኦም ከይንጽሎ: ብኣንጻሩ ናብዚ ናይ ጌጋ ጎደና ዝኸዱ ዘለው የሕዋትና ብመንገዲ ዳዕዋ ክንነግርን ክንምዕድን ሓላፍነትና እዩ:: ኣንቲ ዝኣመንኪ ክብርቲ ኣስላመይቲ ሓፍተይ: ተጠንቀቒ! እቶም ረቢ ዘይፈርሑ ከይጻወቱልኪ: መነንትኪ ሓሊኺ ብእስልምናኺ ኩርዒ: ናይቶም ዝኸሓዱን ካብ መንገዲ ዝጠፍኡን ኣሰር ኣይትስዕቢ: ምኽንያቱ ንመንገዲ ጥፍኣትን ንጀሃነብ ዝወስድ ጎደናን ስለዝኾነ:: ያ ኣላህ ብእስልምናና ኣኹርዓና: ኣብ እምነትካ ኣጽንዓና: መንእሰያት የሕዋትና ናብ መንገዲ ሓቂ ምርሓልና: ደቂ-ኣንስትዮና ካብ ኩሉ ሼር ሓልወልናን ተኸናኸነልናን: እቲ ንፈልጦን ዘይንፈልጦን ዘንቢታትና ሓጺብካ ኣብ መንገዲ እስልምና ቅተለና ኣሜን!! ወሰላሙ ዓለይኩም ወራሕመቱላህ ወበረካትሁ!

    معلومات المادة باللغة الأصلية