×

الجنة (تجريني)

الوصف

مقالة باللغة التجرينية، تحدث الكاتب فيها حول موضوع الجنة.

تنزيل الكتاب

    አል - ጃና

    ደራሲ

    ዳር - አል - ኑር

    —™

    ከላሲ ( ዳጊም አራሚ)

    ካሊፋ ሐማድ እስማዕል

    ዓብዱልቃድር ሙሐመድ አዋል

    الجنة

    اسم المؤلف

    دار – النور

    —™

    اسم المحقق أو أي معلومة إضافية

    خليفة حمد اسماعيل

    عبد القادر محمد أول

    بسم الله الرحمن الرحيم

    ዝኸበርኩም ሙእሚኒን ኣሕዋተይ ጀና ዋኒን ናይቶም ፍርሓት ናይ ኣላህ (ሱ.ወ) ዘለዎምን ሙእዙዛትን’ያ። ኣላህ (ዓ.ወ) ንሳ እታ ጀና ነቶም ባርያታትና ፍርሓት ናይ ኣላህ (ዓ.ወ) ዝነበሮም ኢና ክነውርሳ ይብል ኣብ ሱረት መርየም፣-

    تِلْكَ الْجَنَّةُ الَّتِي نُورِثُ مِنْ عِبَادِنَا مَنْ كَانَ تَقِيًّا

    እቲ ንጀና ዝኣተወ ረቢሑ’ዩ እቲ ጸጋታታ ዝተሓረሞ ድማ ከሲሩ’ዩ። እቲ ካብ ሓዊ ነጻ ኮይኑ ናብ ጀና ዝኣተወ ሰብ ናይ ብሓቂ ተዓዊቱ’ዩ፣ ናይዛ ዓለም ሂወት ድማ ግዝያዊ ምስትምቃር ጥራይ ሙኻኑ ኣላህ (ዓ.ወ) ኣብ ኣሊ-ዒምራን ከምዚ ይብል፣-

    فَمَن زُحْزِحَ عَنِ النَّارِ وَأُدْخِلَ الجَنَّةَ فَقَدْ فَازَ وَمَا الحَيَاةُ الدُّنْيَا إِلاَّ مَتَاعُ الغُرُورِ

    ስለዚ’ዩ ድማ ኣላህ (ሱ.ወ) እዚ ኒዕማ ናይ ጀና ንኽንካፈሎ ተቐዳደሙ ዝብለና። እስቲቅፋር ናይ ኣላህ ክትረኽቡ ተቀዳደሙ፣ እታ ክንዲ ሰማይን መሬትን ዝስፍሓታ ጀና ነቶም ብኣላህ (ዓ.ወ)ን ረሱል (ሰ.ዓ.ወ)ን ዝኣመኑ ከምዝተዳለወት ኣብ ሱረት ኣል-ሓዲድ ኣላህ (ሱ.ወ) ከምዚ ክብል ይነግረና፣-

    سَابِقُوا إِلَى مَغْفِرَةٍ مِّن رَّبِّكُمْ وَجَنَّةٍ عَرْضُهَا كَعَرْضِ السَّمَاءِ وَالأَرْضِ أُعِدَّتْ لِلَّذِينَ آمَنُوا بِاللَّهِ وَرُسُلِهِ ذَلِكَ فَضْلُ اللَّهِ يُؤْتِيهِ مَن يَشَاءُ وَاللَّهُ ذُو الفَضْلِ العَظِيمِ

    ረሱል (ሰ.ዓ.ወ) ንጀና ክንብህጋን ክንሰርሓላን: ካብኡ ሓሊፉ ድማ ንረቢ (ሱ.ወ) ክህበና ዱዓና ከነብጽሕን ኣተባቢዖምና: ኣብ ሓዲስ ከኣ ከምዚ ኢሎምና: ‘’ሓደ ወዲ ሰብ ያ ረቢ ጀና ሃበኒ ኢሉ ሰለስተ ግዜ ናብ ረቢ ዱዓ ዘብጸሐ: ጀና ባዕላ ‘’ኦ ኣላህ ንባርያኻ ጀና የእትዎ’’ ኢላ ዱዓ ትገብረሉ: ከምኡ’ውን ሓደ ሰብ ሰለስተ ግዜ ካብ ጀሃነብ ኣድሕነኒ ኢሉ ዱዓ ናብ ረቢ ምስዝገብር: ጀሃነብ ባዕላ: ‘’ኦ ኣላህ ካብ ጀሀነብ ኣድሕኖን ሰውሮን’’ ኢላ ዱዓ ትገብረሉ’’ ኢሎም: ስለዚ ለይትን መዓልትን ከይሰልከና ናብ ረቢ ጀና ከእትወናን ካብ ጀሃነም ድማ ከድሕነናን ክንልምን ይግበኣና::



    ረሱል (ሰ.ዓ.ወ) ጀናን ደረጃታትን ክገልጹልንና እንከለዎ ፣ ኣብ ጀና ሚእቲ ደረጃታት ከምዘሎን ኣብ ሞንጎ ክልተ ደረጃታት ዘሎ ፍልልይ ክንዲ ሰማይን መሬትን ርሕቀት ዘለዎ ኮይኑ ዝላዓለ ካብኣን ደረጃ ዘለዋ ድማ ጀነት ኣልፊርዶስ ምኻና እዩ። መበገሲ ዋሓዚ ናይ ኣርባዕተ ጀናታት ካብኣ (ጀነት ኣልፊርዶስ) ከምዝኾነን ዝፋን (ዓርሺ) ናይ ኣላህ ኣብ ልዕሊኣ ከምዝርከብን ገሊጾምልና። ስለዚ ንኣላህ ክትሓቱ እንከለኹም ያ ረብ ጀነት ኣልፊርዶስ የእትወና ኢልኩም ዱዓ ግበሩ ክብሉ ይምዕዱና።

    قالَ صلى الله عليه وسلم: «فِي الْجَنَّةِ مِائَةُ دَرَجَةٍ، مَا بَيْنَ كُلِّ دَرَجَتَيْنِ كَمَا بَيْنَ السَّمَاءِ وَالأَرْضِ، وَالْفِرْدَوْسُ أَعْلاَهَا دَرَجَةً، وَمِنْهَا تُفَجَّرُ أَنْهَارُ الْجَنَّةِ الأَرْبَعَةُ، وَمِنْ فَوْقِهَا يَكُونُ الْعَرْشُ، فَإِذَا سَأَلْتُمُ اللَّهَ فَاسْأَلُوهُ الْفِرْدَوْسَ

    ዝኸበርኩም ሙእሚኒን የሕዋተይ: ጀና መአንገዲት ናይቶም ዕዉታት እያ: ሰብ ርእይዎን ሓሲብዎን ዘይፈልጥ ኒዕማ ዝሓዘት: ኣብ ልቢ ሰብ ከምዚ ይህሉ ይኸውን ተባሂሉ ዘይግመት ጸጋታት ዘለዋ: ኣብ ቅድሚኡ ናይ ኣዱንያ ኒዕማ ዋጋ ዘይብሉን ፈጺሙ ዘይዳረግን እዩ: ከመይሲ ናይ ኣዱንያ ኒዕማ ዝኾነ እንተኾነ ሓላፋይን ተቐያራይን እዩ: ነዚ ከብርህ እንከሎ ኣላህ (ሱ.ወ) ኣብ ቁርኣን ብንጹር መልክዑ ከምዚ ይብል:-

    (قُلْ مَتَاعُ الدُّنْيَا قَلِيلٌ وَالآخِرَةُ خَيْرٌ لِّمَنِ اتَّقَى وَلاَ تُظْلَمُونَ فَتِيلاً)

    ናይ ጀና ግና ኒዕምኡ ዘልኣለማዊ ኮይኑ ሞት የለን: ሕማም የለ ስቅያት: ተስፋ ምቑራጽ የለ እርጋን: ክትሕጎስ ትነብረሉ ዘየቃርጽ ኒዕማ እዩ:: ረሱል (ሰ.ዓ.ወ) ኣብ ሓዲስ:-

    قَالَ صلى الله عليه وسلم : « يُنَادِي مُنَادٍ: إِنَّ لَكُمْ أَنْ تَصِحُّوا فَلاَ تَسْقَمُوا أَبَداً، وَإِنَّ لَكُمْ أَنْ تَحْيَوْا فَلاَ تَمُوتُوا أَبَداً، وَإِنَّ لَكُمْ أَنْ تَشِبُّوا فَلاَ تَهْرَمُوا أَبَداً، وَإِنَّ لَكُمْ أَنْ تَنْعَمُوا فَلاَ تَبْأَسُوا أَبَداً»

    ‘’ጸዋዓይ ይጽውዕ: ጥዕናኹም ምሉእ ክኸውን እዩ ብጭራሽ ኣይክትሓሙን ኢኹም: ክትነብሩ ኢኹም ብጭራሽ ኣይክትሞቱን ኢኹም: ክትጉብዙ ኢኹም ብጭራሽ ኣይክትኣርጉን ኢኹም: ክትሕጎሱ ኢኹም ብጭራሽ ኣይክትጉህዩን ኢኹም’’ ይብል:: ነዚ ህሞትን ነዚ ጻውዒትን ክገልጽ እንከሎ ረቢ (ሱ.ወ) ከምዚ ይብል:

    (وَنُودُوا أَنْ تِلْكُمُ الْجَنَّةُ أُورِثْتُمُوهَا بِمَا كُنْتُمْ تَعْمَلُونَ)

    ‘’ ጸዋዓይ ይጽወዖም: እነሀትልኩም እታ ጀና: በቲ ዘሕለፍክሞ ጽቡቕ ተግባራት ወሪስኩማ’’ ይብል:: እወ ብርግጽ ንሳ እያ እታ ጀና: ማዓጾኣ ገፊሕ: ወነንታ ክኣትውዋ ይደፋፍኡላ: ህርፋኖም ሰማይ ዓሪጉ ዝጋየዩላ: ካብቲ ንሳ ቀሪባትሎም ዘላ ጸጋታት ክቃዶሱላ::

    ረሱል (ሰ.ዓ.ወ) ኣብ ጀና 8 መዓጹ ከምዘሎ፣ ሓደ ካብ ማዓጹኣ ድማ (ባብ ኣረያን) ዝባሃል ኮይኑ ብዘይካ ኣብዛ ኣዱንያ ጸወምቲ ዝነብሩ ካልእ ኣያኣትውን’ዩ፣ እቶም ጸወምቲ ድማ ካብቲ ዛራ ከምዝሰትዩ ከምዚ ብምባል (ዓ.ሰ.ወ) ይገልጹልና፣-

    قَالَ صلى الله عليه وسلم: « في الْجَنَّةِ ثَمَانِيَةُ أَبْوَابٍ فيها بَابٌ يُسَمَّى الرَّيَّانَ لَا يَدْخُلُهُ إلا الصَّائِمُونَ

    እቶም ሰብ ጀና ናብ ጀና ምስተወሰዱ’ሞ ናብኣ ምስ ቀረቡ: ማዓጾኣ ይኽፈተሎም: ዋርድያታታ (መላኢካታት ጀና) ሰላምታ ብምሃብ: ሰላም ንዓኹም ይኹን: ክንደይ ተዓዊትኩም: እተውዋ ንሓዋሩ ድማ ንበርዋ ይብልዎም::

    وَسِيقَ الَذينَ اتَّقَوْا رَبَّهُمْ إِلَى الجَنَّةِ زُمَراً حَتَّى إِذَا جَاءُوهَا وَفُتِحَتْ أَبْوَابُهَا وَقَالَ لَهُمْ خَزَنَتُهَا سَلامٌ عَلَيْكُمْ طِبْتُمْ فَادْخُلُوهَا خَالِدِين

    ሰብ ጀና ናብቲ ውቁብ ገዝኦም እናተቀላጠፉ ይኸዱን ገዝኦም ልክዕ ከምታ ናይ ኣዱንያ ገዝኦም ብፍሉይነት ከምዘላልይዋ ረቢ ክገልጸልና እንከሎ ከምዚ ይብል:-

    (سَيَهْدِيهِمْ وَيُصْلِحُ بَالَهُمْ* وَيُدْخِلُهُمُ الْجَنَّةَ عَرَّفَهَا لَهُمْ)

    ሙእሚኒን ሓሲቦሞ ወይ ኣብ ሓንጎሎም ቀሪጾሞ ዘይፈልጡ ኣብ ጀና ይረኽቡ፣ ኣላህ (ዓ.ወ) ንረሱል (ሰ.ዓ.ወ) ክገልጸሎም እንከሎም ዕድሜኦም ዘይቅየር ፍጹም ዘይኣርጉ ነቶም ሰብ ጀና ዘገልግሉ ኣገልገልቲ ከምዘለዉ፣ እቶም ኣገልገልቲ ኣብ ጀና ከገልግሉ ክትሪኦም እንኮለኻ ብርሃን ናይ ገጾምን ሕብሮምን ሉል ኮይኖም ይስሙዑኻ፣ ኣብ ጀና ዝርከብ ኒዕማ ናይ ኣላህ (ዓ.ወ) ኣዝዩ ዓቢ ሙኻኑ፣ ክዳን ሰብ ጀና ብሪቅሪቅ ዝብል ሓሪር ከምዝኾነ፣ ካብ ሕስድና፣ ቅርሕንቲን ካልእን ዝኣመሰሉ ሕማቅ ተግባራትን ጉድኣትን ከምዘይወርዶም ጌሩ ንጀና ከምዘዳለዋን፣ ዝግቦኦም ዓስቢ ንሱ ሙኻኑ ኣብ ቁርኣን ብከምዚ ይገልጸልና፣-

    وَيَطُوفُ عَلَيْهِمْ وِلْدَانٌ مُّخَلَّدُونَ إِذَا رَأَيْتَهُمْ حَسِبْتَهُمْ لُؤْلُؤًا مَّنثُورًا* وَإِذَا رَأَيْتَ ثَمَّ رَأَيْتَ نَعِيمًا وَمُلْكًا كَبِيرًا* عَالِيَهُمْ ثِيَابُ سُندُسٍ خُضْرٌ وَإِسْتَبْرَقٌ وَحُلُّوا أَسَاوِرَ مِن فِضَّةٍ وَسَقَاهُمْ رَبُّهُمْ شَرَابًا طَهُورًا* إِنَّ هَذَا كَانَ لَكُمْ جَزَاء وَكَانَ سَعْيُكُم مَّشْكُورًا

    ጀና ንኣላህ (ሱ.ወ) ንዝኣመኑ፣ትእዛዛቱ ዝተግበሩን ትምህርቲ ረሱል (ሰ.ዓ.ወ) ዝተኸተሉን’ያ። ዝኾነ ሰብ ኣብ ጀና እንታይ ተዳልይሉ ኣሎ ዝፈልጥ የልቦን: ኣላህ (ሱ.ወ) ንመን እንታይ ይህቦን የዳልወሉን ንሱ ጥራይ እዩ ዝፈልጥ:

    فَلاَ تَعْلَمُ نَفْسٌ مَا أُخْفِىَ لَهُمْ مِنْ قُرَّةِ أَعْيُنٍ

    ብሓቂ እቶም ብሓደ ኣላህ ዝኣመኑን ጽቡቅ ተግባራት ዝገብሩን ሙእሚኒን ኣብ ጀንት ኣልፊርዶስ ኣትዮም ሂወቶም ከስተማቅሩ ሙኻኖም ኣላህ (ዓ.ወ) ኣብ ሱረት ኣል-ካህፍ ከምዚ ይብል፣-

    إِنَّ الَّذِينَ آمَنُوا وَعَمِلُوا الصَّالِحَاتِ كَانَتْ لَهُمْ جَنَّاتُ الْفِرْدَوْسِ نُزُلاً

    ኣላህ ቅኑዕ መገዲ ኣትሒዙ ብራሕምኡ ሰብ ጀነት ኣልፊርዶስ ይግበረና: ንጀና ዘእቱ ስራሕ ክንሰርሕ ይሓግዘና: ካብ ጀሃነም ተገላጊልና ጀና ንወርስ ይግበረና: ምስ ፈተውትናን የሕዋትና ኣብ ጀና ይኣኻኽበና: እቶም ቀዲሞምና ሓሊፎም ዘለው ሙእሚኒን የሕዋትናን ኣዝማድናን ሰፈሮም ጀና ይግበረልና ኣሜን!


    ወሰላሙ ዓለይኩም ወራሕመቱላህ ወበረካትሁ

    معلومات المادة باللغة الأصلية