×

دعاء الهم والحزن (تجريني)

الوصف

مقالة باللغة التجرينية، تحدث الكاتب فيها حول موضوع دعاء الهم والحزن، الثابت عن النبي - صلى الله عليه وسلم -.

تنزيل الكتاب

    ዱዓ ካብ ሓሳብን ሓዘኒን

    ዳር - አል - ኑር

    —™

    ካሊፋ ሐማድ እስማዕል

    ዓብዱልቃድር ሙሐመድ አዋል

    دعاء الهم والحزن

    دار – النور

    —™

    خليفة حمد اسماعيل

    عبد القادر محمد أول

    بسم الله الرحمن الرحيم



    ሓዲስ ናይ ረሱል (ሰ.ዓ.ወ): ዓሚቕ ትርጉም ዘለዋ: ብዙሕ ጥቕሚ ዝሓዘት: ምንጪ ኩሉ እከያትን ጨንፈራቱን ኣጠቓሊላ ዝሓበረት: መበገሲኡን መዓልብኡን ዘብረሀት: ኩሉ ኣስላማይ ልቢ ኢሉ ከስተንትናን ከስተውዕለላን: ትሕዝቶኣ ድማ ኣዕሙቑ ከስተማቕራን ዝግበኦ ሓዲስ ኢና ክንዛረብ። ነብይ (ሰ.ዓ.ወ) ኣብ መዓልታዊ ዱዓታቶም ዘዘውትርዋ ዝነበሩ ዱዓ ዝሓዘለት ሓዲስ ንሎሚ ብሓደ ንከታተላ: ዕምቆታ ንረደኣያ: ኣብ መዓልታዊ ዱዓና ድማ ኣይንረሰዓያ።
    ኣብ ክልቲኡ ሰሒሕ ሰነዳት (ቡኻሪን ሙስሊምን) ተሰኒዳ ትርከብ ሓዲስ: ኣነስ ኢብኒ ማሊክ ሰሓቢ (ረ.ይ) ከምዚ ይብል:- ''ኣነ ንረሱል (ሰ.ዓ.ወ) ኣብ ዘገልግለሉ ዝነበረኩ እዋን ብዙሕ ግዜ ከምዚ ኢሎም ዱዓ ክገብሩ ይሰምዖም ኔረ ይብል: -


    اللَّهُمَّ إِنِّي أَعُوذُ بِكَ مِنَ الْهَمِّ وَالْحَزَنِ وَالْعَجْزِ وَالْكَسَلِ وَالْبُخْلِ وَالْجُبْنِ وَضَلَعِ الدَّيْنِ وَغَلَبَةِ الرِّجَالِ

    ''ያ ኣላህ ካብ ሓሳብን ሓዘን (ጋሂ)ን: ካብ ስእነት ዓቕሚ (ድኽመት)ን ትህኪትን: ካብ ብቅን ፈራህነትን: ካብ ከቢድ ዕዳን ካብ ዓመጽ ሓያላትን ከተድሕነኒ ይልምነካ ኣለኹ: '' ትብል እያ::
    ካብ ሸሞንተ ነገራት ኣላህ (ዓ.ወ) ከድሕኖም ለሚኖም።



    1-الْهَمِّ وَالْحَزَنِ

    ሓሳብ (ጭንቀት)ን ሓዘንን ክሊቲአን ናይ ሩሕ ቃንዛ እየን። ሓሳብ (ጭንቀት) ንዝመጽእ ከጋጥመካ ዝኽእል ነገር ተሻቒልካ ትሳቐዮን ትጭነቖን ክኸውን እንከሎ: ሓዘን ድማ ኣብ ዝሓለፈ ብዘጋጥመካ ነገር እንዳዘከርካ ክተማርር እንከለኻ ማለት እዩ። ካብዘን ክልተ ነገራት ረሱል (ሰ.ዓ.ወ) ክዕወዙ እንከለው ኣብ ኣካልና ከውርድኦ ዝኽእላ መጉዳእቲ: ንሓይልና ዘድክማ: ሓንጎልና በጽቢጸን ድቃስ ዝኸልኣ ስለዝኾና እየን። ብዝሓለፈን ብዝመጽእን ክትሓስብን ክትጭነቕን ጊዜ ተጥፍእ እንተኾንካ ብዛዕቢ ሕጂ ክትገብሮ ዝግበኣካ ነገራት ዘንጊዕካ ግዜኻ ተባኽን: ካብ ብዙሕ ኸይራት ትተርፍ: ካብ ብዙሕ ዒባዳታት ትዘናበልን ትዝንግዕን። እዚ ማለት እቲ ትሓስቦን ትጭነቖን ብናይ ኣዱንያ እንተኾይኑ ማለት እዩ:: ብዛዕባ ኣኼራ እንተኾይኑ ግና ተመራጽን ተደላይን እዩ: ምኽንያቱ ንኣኼራ ፈሪህካ: ብዝሓለፈካ ኼር ኣስተንቲንካ ተጣዒስካ እንተሓዘንካ ንኼር ንኽትብገስ ይዝሕግዘካ: ናብ ጽቡቕ ክትጓየ ድፍኢት ይኾነካ።

    ረሱል (ሰ.ዓ.ወ) ሓሳብና ኣብ ምንታይ ክጥርነፍ ከምዘለዎ ክሕብሩና እንከልው:- ''ሓሳቡን ሻቕልኡን ብዛዕባ ዳግማይ ተመሊስካ ዘሎ ናይ ቅያማ ሂወት ዝገበሮ: ካብ ኩሉ ዓይነት ሓሳብን ሻቕላን ረቢ ይኾኖ (ይሕልዎ): ብዛዕባ ናይ ኣዱንያ ዝኾነ ሻቕልኡን ሓሳቡን ግና እዚ ሰብ እዚ ናበይ ሃሊኩ (ጠፊኡ) ኣላህ (ሱ.ወ) ዝግድሶ ኣይኮነን'' ኢሎም።

    (( مَنْ جَعَلَ الْهُمُومَ هَمًّا وَاحِدًا: هَمَّ الْمَعَادِ، كَفَاهُ اللَّهُ هَمَّ دُنْيَاهُ، وَمَنْ تَشَعَّبَتْ بِهِ الْهُمُومُ في أَحْوَالِ الدُّنْيَا، لَمْ يُبَالِ اللَّهُ فِي أَيِّ أَوْدِيَتِهِ هَلَكَ

    ኣብ ካልእ ሓዲስ ረሱል (ሰ.ዓ.ወ): '' ሻቕልኡ ብዛዕባ ኣኼራ ዝኾነ ሰብ: ረቢ ሃብቱ ኣብ ልቡ ይገብረሉ (ዕጉብ ይገብሮ): ሓሳቡ ይጥርንፈሉ: ኣዱንያ በፍንጭኣ ተምበርኪኻ ትመጾ: እንተ'ቲ ኣዱንያ ዝኾነት ሻቕልኡ ግና: ድኽነት ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ይገብረሉ: ሓሳቡ ፋሕ የብለሉ: (ወላ ደድሕሪ ኣዱንያ እንተጎየየ) ብጀካ እታ ረቢ ዝጸሓፈሉ ካብኣ ንላዕሊ ኣይረክብን'' ኢሎም።

    (( مَنْ كَانَتْ الْآخِرَةُ هَمَّهُ جَعَلَ اللَّهُ غِنَاهُ فِي قَلْبِهِ وَجَمَعَ لَهُ شَمْلَهُ، وَأَتَتْهُ الدُّنْيَا وَهِيَ رَاغِمَةٌ، وَمَنْ كَانَتْ الدُّنْيَا هَمَّهُ جَعَلَ اللَّهُ فَقْرَهُ بَيْنَ عَيْنَيْهِ، وَفَرَّقَ عَلَيْهِ شَمْلَهُ، وَلَمْ يَأْتِهِ مِنْ الدُّنْيَا إِلَّا مَا قُدِّرَ لَهُ

    2-الْبُخْلِ وَالْجُبْنِ

    ኣስዒቦም ካብ ፍርሕን ብቕን (ጥመዐ) ረቢ ከድሕኖም ዱዓ ገይሮም። ፍርሒ ሓደ ካብቲ ጽሉእ ጠባያት እዩ: ፈራሕ ሰብ ዝግበኦ ካብ ምምላእ: ሓቂ ካብ ምዝራብ: ዳዕዋ ጌሩ ንሰባት ንኼር ካብ ምጽዋዕን ካልእን ብሰንኪ ፍርሑ ይቑጠብ::
    ብቒ ድማ ምስ ገንዘብካ: ብገንዘብካ ከተኻዕብቶ ዝግበኣካ ኣጅርታት ይሓልፈካ::


    3-الْعَجْزِ وَالْكَسَلِ

    ቀጺሎም ካብ ድኽመትን ትህኪትን ረቢ ከድሕኖምን ክሕልዎምን ለሚኖም። ድኽመት ክእለት ዘይምህላው ክኸውን እንከሎ: ትህኪድ ድማ ዓቕሚ እንዳሃለወካ ድልየትን ተበግሶን ዘይምህላው እዩ። ረሱል (ሰ.ዓ.ወ) ኣብ ሓዲስ: ''ብረቢ ትሓገዝ ኣይትድከም'' ኢሎም።

    استعن بالله ولا تعجز

    ብሰንኪ ድኽመትን ትህኪትን ካብ ብዙሕ ሰናይ ተግባራት ትተርፍ: ጽቡቕ ስርሓትን ትጎናደብ: ካብ ኣጅሪ ትሕረም: ነዱንያኻን ንኣኼራኻን ዝጠቕመካ ተሕልፍ።
    መሰረት ዘንቢ ኩሉ ጊዜ ድኽመት እዩ: ሓደ ባርያ ናይ ኣላህ ንኼር ክጠቕምዎ ዝኽእሉ ነገራት ካብ ምውሳድ ይደክም: ናብ ሸር ካብ ዝመርሕዎ ነገራት ካብ ምኽልካል ይሰንፍ እሞ ኣብ ዘንቢ ይወድቕ። ስለዚ ዘንብን ማዕስያን ንልብኻ የሙቶ: ንነብስኻ የሕምሞ: ንሓይልኻ ድማ የድክሞ: እዚ ድማ ካብ ድኽመትን ትህኪትን እዩ ምንጩን መበገሲኡን።
    ድኹም ምኻን ዘምጽኦ መዘዝ ብዙሕ እዩ: ሓደ ካብኡ ''ኣሕ ብኻ እባ ከምዚ ኮይኑ ነይሩ: ከምዚ እንተዝኸውን'ሲ ክንደይ ጽቡቕ ነይሩ: ብኻ ከምዚ ጌረ ኔረ'' እንዳበልካ ኣብ ናይ ብኻ ዓለም ከምተንሳፍፍ ይገብረካ። ከምቲ ረሱል (ሰ.ዓ.ወ) ዝበልዎ: ''ብኻ ናይ ሸይጣን ስራሕ ትኸፍተልካ'' ኢሎም።

    فإن لو تفتحُ عمل الشيطان

    ኣብ ትምኒት ጥራይ ተንጠልጢሉ ዝተርፍ እቲ ዝፈለሰ ሰብ እዩ።

    4-ضَلَعِ الدَّيْنِ وَغَلَبَةِ الرِّجَالِ

    ኣብ መወዳእታ ዱዓኦም ድማ ካብ ከቢድ ዕዳን ካብ ዓመጽ ሓያላትን ረቢ ክስውሮም ዱዓኦም ዛዚመሞ:: ዕዳ ሓያል እዩ: ኣብ ዕዳ ምስ ኣተኻ ግርማኻ ይቕንጠጥ: ኩሉ ይንዕቀካ: ካብ ኣለቃሒኻ ክትሃድም ነብስኻ ትጸልእ:: ዓመጽ ሓያላት ድማ መሊሱ የሰንፈካ: ትሑት ኮንካ ከምትነብር ይገብረካ:: ካብዚ ረቢ ክሕልዎም ዱዓ ገይሮም::
    እዘን ኣብዛ ዱዓ ናይ ረሱል (ሰ.ዓ.ወ) ዝረኣናየን ሸሞንተ ሓደገኛታት ጠባያት: ኣብ ሂወትካ ሕጉስ ንኸይትኸውን: ከሲርካ ከምትተርፍ: ኣብ ልዕሊ ጸላኢኻ ንኸይትዕወት: ጥዕና ረኺብካ እፎይ ንኸይትብል ዝዕድማ ባህርያታት እየን: ረሱል ድማ ካብአን ኣድሕነኒ ያኣላህ ኢሎም ዱዓ ቀጻሊ ይገብሩ ነይሮም። ንሕና ድማ ኣሰሮም ተኸቲልና ነዛ ዱዓ ለይትን ቀትርን: ንግሆን ምሸትን ነዘውትራ ውጺኢታ ድማ ክንርእያን ክንዓግበላን ኢና::


    اللَّهُمَّ إِنِّي أَعُوذُ بِكَ مِنْ الْهَمِّ وَالْحَزَنِ ، وَأَعُوذُ بِكَ مِنْ الْعَجْزِ وَالْكَسَلِ ، وَأَعُوذُ بِكَ مِنْ الْجُبْنِ وَالْبُخْلِ ، وَأَعُوذُ بِكَ مِنْ غَلَبَةِ الدَّيْنِ وَقَهْرِ الرِّجَالِ

    معلومات المادة باللغة الأصلية