×

አማና (ትግርኛ)

Description

እዚአ ጹሑፍ ሲለ አማና ዝትገልጽ ጹሑፍ ኢያ

Download Book

    አማና

    ዳር - አል - ኑር

    —™

    ካሊፋ ሐማድ እስማዕል

    ዓብዱልቃድር ሙሐመድ አዋል

    الأمانة

    دار - النور

    —™

    خليفة حمد اسماعيل

    عبد القادر محمد أول

    بسم الله الرحمن الرحيم



    ካብቲ ብሉጻት ጠባያት እስልምና ካብ መሰረታት ናይዚ ዲን ዝገበሮ: ሓደ ኣስላማይ የእዳዉ ናብቲ ንሱ ዘይውንኖ ነገር ከየቃምት: ዘይናቱ ከይድሊ: ወይ ድማ ኣማና ክሕሉ እዩ:: ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ኣማና ረቢ (ሱ.ወ) ንወዲ-ሰብ ዘሰከሞ ኩሉ ጉቡኣት ናይ ኣላህን ግቡኣት ፍጡራትን ከማልእን ክሕልውን እዩ::

    إنا عرضنا الأمانة على السماوات والأرض والجبال فأبين أن يحملنها وأشفقن منها وحملها الإنسان إنه كان ظلوما جهولا

    ኣማና (ሕድሪ): ሓደ ካብቲ ቀንዲ መለልይን መግለጽን ናይ ኣንብያእን ርሱላትን እዩ:: ሰይድና ኑሕ: ሁድ: ሳልሕ: ሉጥ: ሹዓይብ: ኩላቶም ንህዝቦም: ኣነ እሙን ልኡኽ ናባኹም እየ ከምዝበልዎም ረቢ (ሱ.ወ) ኣብ ቁርኣን ይገልጾም:-

    إِنِّي لَكُمْ رَسُولٌ أَمِينٌ

    ሰይድና ሙሓመድ (ሰ.ዓ.ወ) ቅድሚ እቲ ረቢ (ሱ.ወ): ናይ ነብይነት መዓርግ ሂቡ ልኡኽ ክኾኑ ምሕጻዮም: ኣብ ሂወቶምን ኣብ ቅድሚ ህዝቦምን: ብእሙን ይፍለጡ ነይሮም:: ነብይ ኮይኖም ምስ ተላኣኹ: ህዝቦም ተጻቢኦሞም: ኣከላቢቶሞም: ዓዶም ገዲፎም ንመዲና ከም ዝስደዱ ጌረሞም ክነሶም: ኣብ ኢዶም ዝነበረ ኣማና: ንሰይድና ዓሊ ውክልና ብምሃብ ብሕድሪ ዝተቐበልዎ ንብረት ኮነ ገንዘብ ናብ ዋንኡ ከብጽሕሎም ተማሕጺነሞም ንመዲና ተጎዓዙ::

    إن الله يأمركم أن تؤدوا الأمانات إلى أهلها وإذا حكمتم بين الناس أن تحكموا بالعدل

    ረሱል (ሰ.ዓ.ወ) ኣገዳስነት ኣማና ልዑል ምዃኑ ንምግላጽ: ኣብ ዝኾጠብዎ ግዜ: ''ውዕል ዘይብሉ ዲን የብሉን: ኣማና ዘይብሉ (ሕድሪ ዘየኽብር) እምነት(ኢማን) የብሉን'' ይብሉ ነይሮም:: ኣማናን ኢማንን ክልተ ዘይነጻጸላ ባእታታት ኮይነን ሓንቲአን እንተጠፊኣ: እታ ሓንቲ'ውን ዋጋ የብላን::
    ረሱል (ሰ.ዓ.ወ) ኣብ ሓዲስ: ''ኣማና እንተጠፊኡ ምልክት ምቕራብ መዓልቲ ቅያማ እዩ'' ኢሎም:: ኣብ ካልእ ሓዲስ: ''በቲ ነብሰይ ኣብ ኢዱ ዝኾነት ኣላህ ይምሕል ኣለኹ: እቲ እሙን ዝከሓደሉ: ከሓዲ ዝእመነሉ: ሓቀኛ ዘይእመነሉ: ሓሳዊ ድማ ከም ሓቀኛ ዝእመነሉ: ዋጋ ዘይብሉ ሰብ ድማ ጉዳይ ብዙሓት ሓላፍነት ዝወቦ ግዜ ከይመጸ መዓልቲ ቅያማ ኣይክኣክልን እዩ: '' ኢሎም::
    ኣማና ንኽንሕሉ: ኣረጊትና ኮነ ጎበዝና: ሰብኣይና ኮነ ሰበይትና ንኹላትና ይምልከትና እዩ:: ኣብ ሞንጎናን ኣብ ሞንጎ ኣላህን: ኣብ ሞንጎናን ኣብ ሞንጎ ካልኦት ፍጡራትን ኣማና ኣለና ንሓልዎ: ሰላት ኣማና እያ: ስያን ኣማና እያ: ሰደቓ ኣማና እያ: ሓጅ ኣማና እያ: ኩሉ ሸሪዓ ዝኣዘዞ ነገር ኣማና እዩ:: እዚ ኩሉ ኣብ ክሳድና ተንጠልጢሉ ዝርከብ ኣማና እዩ ኣማናና ድማ ከነብጽሕን ከነተግብርን ይግበኣና:: ብሕድሪ ዝተወሃብካዩ ነገር: ሕድርኻ ኣብ ግዜኻን ሰዓትካ ኣብጽሕ: ዝጠለመካ ኣይትጥለም::

    ክቡራት ሙስልሚን!

    ሓደ ካብቲ ኣማና: ግቡእ ሰብ ኣብ ግቡእ ቦትኡ ከተቐምጦ እዩ:: ንመሪሕነት ትመርጾ ሰብ ዝግበኦ ክኸውን ይግባእ: ረሱል (ሰ.ዓ.ወ) ነዚ ኣመልኪቶም: ንሓደ ሰብ ብሰንኪ ትሕዝትኡ: ዓሌቱ: ወለድኡ: ብሰንኪ ሰዓብቱን ህቡብነቱን ንመሪሕነት ንኸይነምጽኦ ኣጠንቂቖምና እዩም: እዚ ኩሉ ዝጠቐስናዮ መምዘኒ ክኸውን ከምዘይክእን: እቲ መምዘንን መዐየርን ካልእ ምዃኑ እስልምና ኣነጺሩ ሓቢሩና ኣሎ:: ኣርባዕተ ጠባያት ድማ ከማእል ከምዘለዎ ይነግረና: ሓያል: እሙን: ንህዝቡ እንታይ ከምዝጠቕሞን ይጎድኦን ዝፈልጥን: ዘብዐኛ (ሓላውን) ክኸውን ኣለዎ ንህዝቡ ዝሕሉን ዝከናኸንን::


    ሰይንና ሙሳ ኣብ መድየን: ሓንቲ ካብተን ክልተ ዝሓገዘን ኣዋልድ ነቦኣ ከምዚ ክትብል ሓደራ ኢላቶ: ''ኣንታ ኣቦይ ምሳኻ ኣስረሓዮ (ቁጾሮ: ሓላፍነት ኣሰክሞ) ምኽንያቱ (ሰይድና ሙሳ) እሙንን ሓያልን እዩ'' በለቶ::

    قالت إحداهما يا أبت استأجره إن خير من استأجرت القوي الأمين

    ነዘን ጠባያት ዘማልአ ሰብ: ገንዘብ ኣብ ምምሕዳር ኣማና ኣለዎ: ኣብ ስርሑ ጽፉፍ: ዘየጠፋፍእ: ዘይሰርቕ: ዘይሕስውን ዘይምዝምዝን እዩ:: ሰይድና ዩሱፍ (ዓ.ሰ) ንንጉስ ግብጺ መኻዚኖ ግብጺ ከማሓድር ስልጣን ሃበኒ ኢሉ ክምሕጸኖ እንከሎ: እሙንን ተኸናኻንን: ንህዝቢ ዝጠቅሞን ዝጎድኦን ከምዝፈልጥ ኣነጺሩ ሓቢሩ እዩ የእሚንዎ::قال

    اجعلني على خزائن الأرض إني حفيظ عليم


    ንሓይልን እምነትን ኣብ ሓደ ኣጣሚሩ ከንጸባርቐን ዝኽእል ሰብ ውሑድ እዩ: ምኽንያቱ ሓያል መብዛሕትኡ ጊዜ ዓማጺ እዩ:: እምነትን ሓይልን ብሓደ ከማልእ ዝኽእል ሰብ እንተተረኺቡ ንሱ ቀዳምነት ይወሃቦ:: ሓደ ሓያል ሓደ ድማ ኣማና ዘለዎ ሰብ ንመሪሕነት እንተተሓጽዮም: ኣየናዮም ንህዝቡ ይጠቅም: ኣየናዮም ከ ዝወሓደ መጉዳእቲ የስዕብ ኣብ ሚዛን እቐሚጥና ክንፈርድ ይገበኣና::
    ስለዚ ሓደ ሰብ ስልጣን ሂብካ ኣብ ኩርሲ ኮፍ ቅድሚ ምባልካ: ዝበዝሕ ክፋላት ካብዘን ጠባያት ከማለኣ ይግባእ:: እንተኾነ ሓደ ሓይሊ ዘይብሉ ኣማና ዘይእንታዩ: ፍልጠት ዘይምልከቶ ክእለት መሪሒነት ዘይመለለይኡ ኣብ ስልጣን እንተኣምጺእካዮ: እቲ ዝኸፈአ ናይ ጥፍኣት ጥፍኣት እዩ::


    ብተወሳኺ: ኣነ ስልጣን ይደሊ ኣለኹ ንመሪሕነት ሕረዩኒ ዝብል ሰብ: ስልጣን ንኽጭብጥ ሃነፍነፍ ዝብል ንዓኣ ክብል ከይደቀሰ ዝሓድር ስልጣን ኣይወሃቦን ኢሎም ረሱል (ዓ.ሰ.ወ)::

    ሓደ ግዜ ረሱል (ሰ.ዓ.ወ) ንዓብዱራሕማን ኢብኒ ሰመራ: '' ያ ዓብዱራሕማን ስልጣን ሃቡኒ ኢልካ ኣይትሕተት: ሓቲትካያ እንተተዋሂብካያ ብሕድሪ ተቐቢልካ ማለት እዩ: ከይሓተትካያ እንተመጺኣትካ ግና (ንሱ እዩ እቲ ዝበለጸ): ሓገዝ ድማ ካብኦም ትረክብ'' በልዎ::

    ሓደ ግዜ ክልተ ሰብኡት ናብ ረሱል (ሰ.ዓ.ወ) ብምምጻእ: ''ያ ረሱሉላህ ካብቲ ረቢ ዝሃበካ ገለ እንዶ ሓላፍነት ሃበኒ'' ክብሉ ነፍስወከፎም ሓተቱ:: ረሱል (ሰ.ዓ.ወ) ነዚ ምስ ሰምዑ: ''ወላሂ ንስልጣን ብሂጉ ሃንቀው ኢሉ ዝጠለባ ኣይንህቦን ኢና'' በሉ:: ክሳብ እታ መዓልቲ ሞቶም ድማ ዝኾነ ናይ ስልጣን ቦታ ከይሃብዎም ሓለፉ::
    ሓደ ጊዜ ኣቢዘር ዝተባህለ ሰሓቢ (ረ.ይ): ናብ ረሱል መጺኡ: ''ያ ረሱሉላህ: ገለ ከበርክት ዶ ስልጣን ኣይትህበንን?'' ምስ በሎም: ኣብ ኣፍልቡ እንዳጠፍጠፉ: ''ያ ኣባዘር: ንስኻ ድኹም ኢኻ: እዚ (ስልጣን) ኣማና እዩ: ኣብ የውመልቅያማ ድማ ብጀካ እቲ ብግቡእ ኣብ መዓላ ዘውዓላ እንተዘይኮይኑ ጣዕሳን ጋሂን'ዩ ትርፋ'' በልዎ::
    ሓደ ህዝቢ: ብሰንኪ ሽሙ: ብሰንኪ ዓሌቱ: ብሰንኪ ትሕዝትኡ: ብሰንኪ ትውልዱን ዘንኡን ወይድማ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰሉ መምዘኒንታት ተጠቂሙ ንመሪሕነት ዝመረጸ: ንኣላህን ንሙእምኒንን ከምዝኽሓደ እዩ ዝሕሰብ ኢሎም::

    يَا أَيُّهَا الَّذِينَ آَمَنُوا لَا تَخُونُوا اللَّهَ وَالرَّسُولَ وَتَخُونُوا أَمَانَاتِكُمْ وَأَنْتُمْ تَعْلَمُونَ (27) وَاعْلَمُوا أَنَّمَا أَمْوَالُكُمْ وَأَوْلَادُكُمْ فِتْنَةٌ وَأَنَّ اللَّهَ عِنْدَهُ أَجْرٌ عَظِيمٌ (

    28)'

    ክቡራት ሙስልሚን!

    ኩላትና ክንፈልጥ ይግበኣና: ስልጣን በራሲ: ሃብቲ ሓላፊ: መንነት ተረሳዒ: ሓይሊ ድማ በናን ተቐያርን: ኩላትና ከምታ መጀመርታ ኣላህ ዝኸለቐና ብዕርቃንና ኣብ ቅድሚ ሓደ ኣላህ (ዓ.ወ) ደው ኢልና ክንሕተት ምዃንና:: ከምታ መጀመርታ ዝፈጠርናኩም ንውልቅኹም: ኩሉ ዝነበረኩም ትሕዝቶ: ሽመት: ገንዘብ: ውላድ ንድሕሪት ገዲፍኩም መጺእኩሙና ክብል እንከሎ ኣላህ (ዓ.ወ) ኣብ ቁርኣን:-

    وَلَقَدْ جِئْتُمُونَا فُرَادَىٰ كَمَا خَلَقْنَاكُمْ أَوَّلَ مَرَّةٍ وَتَرَكْتُمْ مَا خَوَّلْنَاكُمْ وَرَاءَ ظُهُورِكُمْ ۖ وَمَا نَرَىٰ مَعَكُمْ شُفَعَاءَكُمُ الَّذِينَ زَعَمْتُمْ أَنَّهُمْ فِيكُمْ شُرَكَاءُ ۚ لَقَدْ تَقَطَّعَ بَيْنَكُمْ وَضَلَّ عَنْكُمْ مَا كُنْتُمْ تَزْعُمُونَ

    ኣብ መዓልቲ ቅያማ: ሽምካ ኣይወሓሰካ: ወለዶኻ ጸግዒ ኣይኮኑኻ: ገንዘብካ ኣይሕተተልካ: ስራሕካ ሓሚቓ ጸቢቓ: ንዓኣ ሒዝካ ኣብ ቅድሚ ኣላህ ደው ትብል: ብሽምካ ተጸዊዕካ ንሕቶ ትቐርብ::
    ስለዚ ኣንታ ኣማና ተሰኪምካ ዘለኻ: ኣማናኻ ኣብጽሕ: ኣዱንያ ሓላፊት ምዃና ዘክር: ንኹሉ ግቡኡ ከም ግቡኡ ኣብጸሓሎም: ርዝነትን ክብደትን ኣማና ኣስተውዕል::


    اللَّهُمَّ آتِ نَفوْسِنا تَقْوَاهَا وَزَكِّهَا أَنْتَ خَيْرُ مَنْ زَكَّاهَا أَنْتَ وَلِيُّهَا وَمَوْلَاهَا اللَّهُمَّ إِنِّا نعُوذُ بِكَ مِنْ عِلْمٍ لَا يَنْفَعُ وَمِنْ قَلْبٍ لَا يَخْشَعُ وَمِنْ نَفْسٍ لَا تَشْبَعُ وَمِنْ دَعْوَةٍ لَا يُسْتَجَابُ لَهَا

    معلومات المادة باللغة العربية