×

ብ ኡሳት ምዕራቅ (ትግርኛ)

Description

እዚአ ጹሑፍ ሲለ ብ ኡሳት ምዕራቅ ዝትገልጽ ጹሑፍ ኢያ

Download Book

    ብ ኡሳት ምዕራቅ

    ዳር - አል - ኑር

    —™

    ካሊፋ ሐማድ እስማዕል

    ዓብዱልቃድር ሙሐመድ አዋል

    الإصلاح بين الناس

    دار النور

    —™

    خليفة حمد اسماعيل

    عبد القادر محمد أول

    بسم الله الرحمن الرحيم


    ክቡራት ሙእምኒን!

    እስልምና ዲን ፍቕርን ምትእኽኻብን: ዲን ምትሕግጋዝን ሕውነትን: ጠርናፍን ኣተዓራቕን: ልቢ ሙእምኒን ኣብ ሓደ ጠርኒፉ ቅርሕንቶም ዝኣለየ: ቃሎም ሓደ ጌሩ ንሓቂ መሪሕዎም። ብመንገዲ እስልምና ፋሕ ፋሕ ኢለን ዝነበራ ልቢ ተኣኪበን: ተረሓሒቐንን ተጻሊኤንን ዝበነራ ነብሲ የሕዋት ኮይነን: ከም ሓንቲ ዘይነጻጸላ ኣካል ድማ ተሓቃቁፈን።


    እዚ ብኢማን ዝተሰረተ ሕውነትን ፍቕርን እዚ: እስልምና ክንከናኸኖን ክንሕልዎን: ንዕርቅን ምትእኽኻብን ቀዳምነት ሂብና ክንሰርሕ: ካብ ጽልኢ: ምቁርራጽ: ሕቆ ንሕቆ ተወሃሂብካ ካብ ምኻድን ባእስን ድማ ክንርሕቕ ተሓቢሩና። ረሱል (ሰ.ዓ.ወ) ባእስን ቅርሕንትን ክሳብ ክንደይ: ኣብ ሂወትና ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዲንና ከይተረፈ ሓደገኛ ምኻኑ ከብርሁ እንከለው:

    دَبَّ إِلَيْكُمْ دَاءُ الأُمَمِ قَبْلَكُمْ؛ الحَسَدُ وَالبَغْضَاءُ ، وَالبَغْضَاءُ هِيَ الحَالِقَةُ، لَا أَقُولُ تَحْلِقُ الشَّعَرَ وَلَكِنْ تَحْلِقُ الدِّينَ

    ”ሕማም ቀዳሞት ይስዕርረኩም ኣሎ: ቅንእን ጽልእን: ቅርሕንቲ ለጻይቶ እያ: ንጸጉሪ ዘይኮነስ ንዲንካ እያ ትላጺ” ኢሎም።
    ነዛ ንዲን ትላጺ እንተደኣ ኣስተብሂልናላ: ደቂ ሰባት ኢማኖም ምስደኺመ: ምስ ረቦም ዘልዎም ርክብ ምስ ላሕለሐ: ደድሕሪ ኣዱንያ ክጎዩ ምስ ጀመሩ: ኣዱንያ ድማ ሕልሞምን ናይ መወዳእታ ሽቶኦምን ምስኮነ: ሽዕኡ ጽልኢ የስፋሕፍሕ: ምቁርራጽ ይበጽሕ: ሸለል ምባልን ዘይምግዳስን ይስዕርር። ምእንቲ መን እንተበልካ: ምእንቲ እዛ ሓላፊት ኣዱንያን በናኒ ዝኾነ ጊዜያዊ ትሕዝቶኣን።
    ረቢ (ሱ.ወ) ኣብ ቁርኣን: እንተደኣ ብሓቂ ብኣላህን ብረሱልን ትኣምኑ ኮንኩም: ረቢ ፍርሑ: ኣብ ሞንጎኹም ድማ ተሰማምሑ (ኣብ ነንሕድሕድኩም ሰላም ግበሩ) ክብል ኣዚዙና።

    فَاتَّقُوا اللَّهَ وَأَصْلِحُوا ذَاتَ بَيْنِكُمْ وَأَطِيعُوا اللَّهَ وَرَسُولَهُ إِنْ كُنْتُمْ مُؤْمِنِينَ

    ነዚ ነገር እዚ ዘይገብሩ እንተኾይኖም ግና ኼይር ከምዘይብሎም: እቶም ምእንቲ ኣላህ ኢሎም ብሰደቓ: ብሰናይ ግብርን: ብምትዕራቅ ደቂ ሰባትን ዝእዝዙ ሰባት ግና ዓቢ ኣጅሪ ይጽበዮም ከምዘሎ ከምዚ ክብል ይሕብር:

    لَا خَيْرَ فِي كَثِيرٍ مِنْ نَجْوَاهُمْ إِلَّا مَنْ أَمَرَ بِصَدَقَةٍ أَوْ مَعْرُوفٍ أَوْ إِصْلَاحٍ بَيْنَ النَّاسِ وَمَنْ يَفْعَلْ ذَلِكَ ابْتِغَاءَ مَرْضَاتِ اللَّهِ فَسَوْفَ نُؤْتِيهِ أَجْرًا عَظِيمًا

    ኣብ ካልእ ኣያ: ሙእምኒን ኣብ ነንሕድሕዶም የሕዋት እዮም: ምስ በለ: ኣብ ሞንጎኹም ተዓረቑ (ሰላም ግበሩ): ረቢ ፍርሑ ምእንቲ ራሕማ ናይ ረቢ ክትረኽቡ ይብል።

    إِنَّمَا الْمُؤْمِنُونَ إِخْوَةٌ فَأَصْلِحُوا بَيْنَ أَخَوَيْكُمْ وَاتَّقُوا اللَّهَ لَعَلَّكُمْ تُرْحَمُونَ﴾


    ነቲ ይቕረ በሃሊ: ኣብ ልቡ ቅርሕንቲ ዘይሕዝ: ነገራት ሸለል ኢሉ ሊላህ ኢሉ ዝሳምሕ ሰብ: ዓስቡ ካብ ረቢ እዩ ክብል ይገልጾ። እዚ ማለት መቑጸሪ የብሉን ረቢ ጥራይ እዩ ዝፈልጦ::

    فَمَنْ عَفَا وَأَصْلَحَ فَأَجْرُهُ عَلَى اللَّهِ

    ክቡራት ሙእምኒን!

    ምትዕራቕን ኣብ ሞንጎ የሕዋትን ሰላም ምዝራእን ዓቢ ነገር እዩ: ኣጅሩ’ውን መጠን ኣልቦ እዩ። እቲ ኣብ ሕብረተ.ሰብ ኣወንታዊ ጽልዋ ኣሕዲሩ ንደቂ ሰባት ዝጠራነፈን ዘተዓረቐን: ልቦም ኣስሚሩ እህትታ ልቦምን ናይ ጽልኢ ቃንዝኦምን ዝፈወሰ ሰብ ረቢ ደልይሉ ንኼር ተወፊቑ። ረሱል (ሰ.ዓ.ወ) ኣብ ሓዲስ: እቲ ዝበለጸ ሰደቓ ኣብ ሞንጎ ሰባት ከተቀራርብ (ክትዓርቕ) እዩ ኢሎም።

    أَفْضَلُ الصَّدَقَةِ إِصْلَاحُ ذَاتِ الْبَيْنِ

    ኣብ ካልእ ሓዲስ: ‘’ክነግረኩም ዶ ሓደ ተግባር ካብ ደረጃ ጾም: ሰላትን ሰደቓን ዝበለጸ (ካብ ፈርዲ ዘይኮነስ ካብ ሱና ማለቶም እዮም)’’: ምስ በልዎም ንሰሓባ: ‘’እወ ንገሩና ያረሱሉላህ’’ በልዎም: ‘’ኣብ ሞንጎ ሰባት ከተዐርን ክትዓርቕን’’ ክብሉ ሓበርዎም። ስለዚ እዚ ካብ ኮነ ዓስቡን ኣገዳስነቱን: ኩላትና ብዝከኣለና ዓቕምን ሓይልን ነዚ ሰናይ ተግባር ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ: ኣብ መስርሕ ምትዕራቕ ድማ ወላ ንእሽተይ ትኹን ከይነዓቕና ክንሰርሓላን ከነተግብራን ይግበኣና: ወላ ንኽልተ ብዕድመ ነኣሽቱ ዝኾኑ ኣቆልዑት’ውን ይኹን ሸለል ከይበልና ከንተዓርቕን ከነቀራርብን። ኣብ ሞንጎ ሰብኣይን ሰበይትን: ኣብ ሞንጎ የሕዋት ደቂ ኣቦን ደቂ ኣደን: ኣብ ሞንጎ የዕሩኽትን መሓዙትን: ኣብ ሞንጎ ጎረባብቲ: ኣብ ሞንጎ መሳርሕትን መዋዕልትን ንዝህሉ ጽልእን ቅርሕንትን ምእላይ ማለት ሕማም ጽልኢ ምእላይ ማለት ስለዝኾነ ንተዓጠቐሉ።
    እቲ ኣብ ሞንጎኦም ኣትዩ ንእኩባት ዝበተነ: ነሕዋት ዘበኣሰ: ንሰብ ሓዳር ዘፋትሐ ድማ ረቢ ጸሊእሉ መንገዲ ጥፍኣት መሪጹ:: ምኽንያቱ ዝቖመት ገዛ ንኸፍርስ: ንእኩብ ክበታትን: ንደቂ ሓንቲ ማህጸን ጋኖት ክገብር: ናይ ዕድመ ምሉእ ዕርክነት ክዘርግ እንኮሎ ካብዚ ዝኸፍእ በደልን ብልሽውናን የልቦን።

    اللهم ألِّف بين قلوبنا ، وأصلح ذات بيننا ، واهدنا سبل السلام

    معلومات المادة باللغة العربية