×
New!

Bayan Al Islam Encyclopedia Mobile Application

Get it now!

ናይ አላህ ደብዳቤ ኩሉ ሰብ በጽሐ (ትግርኛ)

ക്രമീകരണങ്ങൾ: ኻሊፋ ሓመድ እስማዕል

Description

ናይ አላህ ደብዳቤ ኩሉ ሰብ በጽሐ እያ

Download Book

    بسم الله الرحمن الرحيم

    ክቡራት ሙእምኒን!

    ረቢ ንፍራሕ: ረቢ ዝፈረሐ የድሕኖ: ናብ ኩሉ ናይ ኣዱንያን ኣኼራን ጽቡቕ ይመርሖ:: ክልተ ጉጅለ አለው ብዛዕበኦም ኣብ ቁርኣን ብዙሕ ግዜ ዝተጠቕሰ: ናይ ነፍስ-ወከፎም ስራሕ: መንነቶም: መግለጺኦምን መዓልቦኦምን ዝተገልጸ:: ረቢ (ሱ.ወ) ንደቂ-ሰባት ናብ ክልተ ጉድለ ከፊልዎም: እቶም ሓደ ጉጅለ ንቅኑዕ ጎደና ዝመረሖም: ንሂዳያ ዝወፈቖም: ልቦም ንእስልምና ዝኸፈተሎም: ንዕኡ ክግዝኡ ድማ ዝሓገዞም እዮም:: እቶም ሓደ ጉድለ ኸኣ ብምሕንጋዶም ጥፍኣት ዝተገበኦም: የዒንቶም ዔሩ ህውተታ መሪጾም መንገዲ ዝሰሓቱን ልቦም ዝተደፍኑን እዮም::

    : ﴿ فَرِيقًا هَدَى وَفَرِيقًا حَقَّ عَلَيْهِمُ الضَّلَالَةُ ﴾ [1] .

    ረቢ (ሱ.ወ) ነብያት ልኢኹ: ናብ ኢማንን ናብ ሓቅን ዝጽውዑ: ካብ ክሕደትን ኩፍርን: ጥፍኣትን ኣብያን ዘጠንቅቑ መልእኽተኛታት ሰዲዱ:: ህዝቦም ናብ ክልተ ጉጅለ ተመቕሉ:: ኣላህ (ዓ.ወ) ኣብ ቁርኣን ክገልጾም እንከሎ ከምዚ ይብል:-

    ﴿ وَلَقَدْ بَعَثْنَا فِي كُلِّ أُمَّةٍ رَسُولًا أَنِ اعْبُدُوا اللَّهَ وَاجْتَنِبُوا الطَّاغُوتَ فَمِنْهُمْ مَنْ هَدَى اللَّهُ وَمِنْهُمْ مَنْ حَقَّتْ عَلَيْهِ الضَّلَالَةُ﴾ [2]

    " ብርግጽ ናብ ነፍስ-ወከብ ህዝቢ መልእኽተኛታት (ርሱል) ሰዲድና: [በልናዮም] "ንሓደ ኣላህ ተገዝኡ: ካብ ጣቑት (ካብ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ) ረሓቑ: ካብኣቶም ረቢ ንመንገዲ ቅኑዕ ዝመረሖም: ካብኣቶም ድማ ጥፍኣት ዝተገበኦም'ዮም" ይብል::

    :﴿ وَلَقَدْ أَرْسَلْنَا إِلَى ثَمُودَ أَخَاهُمْ صَالِحًا أَنِ اعْبُدُوا اللَّهَ فَإِذَا هُمْ فَرِيقَانِ يَخْتَصِمُونَ﴾ [3]

    "ናብ ህዝቢ ሰሙድ ሓዎም ሳልሕ ለኣኽናሎም: [በሎም] "ንኣላህ ተገዝኡ" ንሳቶም ግና ናብ ክልተ ጉጅለ ተፈልዮም ተባኣሱ":: ሓደ ጉጅለ ነቲ መልእኽቲ ሰሚዖም ተኸቲሎም: እቶም ሓደ ኣብዮም ሓንጊዶም: ክሕደት ንነብሶም በይኖምላ:: ክልቲኦም ጉጅለ ድማ ንሕና ኣብ ቅኑዕ ኣለና እንዳተባህሉ ተሰሓሓቡ::

    መልእኽቲ ናይ ረብን ትምህርቱን ክንገሮም ወይ ክቕረኣሎም እንከሎ: እቶም ዝኸሓዱ ነቶም ዝኣመኑ: ኣየነይቲ ጉጅለ (ንሕና ዲና ወይስ ንሱኹም) ኣብ ጽቡቕ ቦታን ኣብ ዝበለጸ ኩነታትን ዘሎ ኢሎም የባጭውሎም::

    :﴿ وَإِذَا تُتْلَى عَلَيْهِمْ آيَاتُنَا بَيِّنَاتٍ قَالَ الَّذِينَ كَفَرُوا لِلَّذِينَ آمَنُوا أَيُّ الْفَرِيقَيْنِ خَيْرٌ مَقَامًا وَأَحْسَنُ نَدِيًّا﴾[4]

    እዞም ሰባት ንናይ ኣዱንያ ርኽበት: ሃብትን ቦታን ከም መምዘኒ ወሲዶም ነቶም ዝኣመኑ የነኣእስዎም:: ኣስዒብ ኣቢሉ: ረቢ (ሱ.ወ)

    ﴿ وَكَمْ أَهْلَكْنَا قَبْلَهُمْ مِنْ قَرْنٍ هُمْ أَحْسَنُ أَثَاثًا وَرِئْيًا ﴾[5] .

    "ክንደይ ዝኾኑ ወለዶ ካብኦም ዝበልጸ ትሕዝቶ ዝነበሮምን: ጽቡቕ ግዳማዊ ትርኢት ዝነበሮም ዘየጥፋእና" ክብል ይሕብር::

    ክቡራት ሙእምኒን!

    ነዞም ክልተ ጉጅለ ረቢ (ሱ.ወ) ብብዙሕ ምሳሌታት ገሊጽዎም: ኣብ ሞንጎኦም ዘሎ ፍልልይ ከመይ ከዝኾነ ብኣብነት ኣብሪህዎም::

    : ﴿ مَثَلُ الْفَرِيقَيْنِ كَالْأَعْمَى وَالْأَصَمِّ وَالْبَصِيرِ وَالسَّمِيعِ هَلْ يَسْتَوِيَانِ مَثَلًا أَفَلَا تَذَكَّرُونَ ﴾ [6]

    "ተምሳል ናይዞም ክልተ ጉጅለ: ልክዕ ከምቲ የዒንቱ ዝዓወረን የእዛኑ ዝጸመመን: ከምቲ ዝርእይን ዝሰምዕን እዩ: እዚኦም'ዶ ይመሳሰሉ: ቅሩብ ዶ ልቢ ኣይትገብሩን?" ይብል:: እዚ ማለት እቶም ንልቦም ኢማን ዝሰንጠቖ: ብእምነት የዒንቶም ዝነቖሐ: ንትእዛዝ ረቢ ሰሚዖም የእዛኖም ዝተኸፍተን: እቶም ንኽሕደት መሪጾም ኣብ ህጉም ዝኣተው: ጥፍኣት ሓርዮም ኣብ ደልሃመት ናይ ጸላም ዝተሸኽሉ ሓደ ኣይኮኑን ማለት እዩ::

    ነፍስ-ወከፎም እንታይ ብጺሒቶም ኣላህ (ዓ.ወ) ኣብ ቁርኣን ኣስፊሑ ኣብሪህዎ::

    ﴿ فَأَيُّ الْفَرِيقَيْنِ أَحَقُّ بِالْأَمْنِ إِنْ كُنْتُمْ تَعْلَمُونَ﴾ [7]

    " ስለዚ መኖም እዮም ካብዞም ክልተ ጉጅለ: ድሕነት (ውሕስነት) ዝተዓደለ?" እቶም ሰብ ኢማን ወላስ እቶም ሰብ ክሕደት? ምስበለ: ረቢ (ሱ.ወ) ባዕሉ ክምልሶ እንከሎ ከምዚ ይብል::

    : ﴿ الَّذِينَ آمَنُوا وَلَمْ يَلْبِسُوا إِيمَانَهُمْ بِظُلْمٍ أُولَئِكَ لَهُمُ الْأَمْنُ وَهُمْ مُهْتَدُونَ (82) ﴾ .

    "እቶም ዝኣመኑ'ሞ ንእምነቶም ብዓመጽ ዘይከወሉ: ንዓኣቶም እዩ እቲ ውሕስነትን ድሕነትን: ንሳቶም እዮም ድማ ብግቡእ (ንቕኑዕ) ዝተመርሑ" ይብል::

    ኣብ መወዳእቲ ናይ ነፍሲ-ወከፎም መዓልቦ ክሕብር እንከሎ:

    ﴿ وَكَذَلِكَ أَوْحَيْنَا إِلَيْكَ قُرْآنًا عَرَبِيًّا لِتُنْذِرَ أُمَّ الْقُرَى وَمَنْ حَوْلَهَا وَتُنْذِرَ يَوْمَ الْجَمْعِ لَا رَيْبَ فِيهِ فَرِيقٌ فِي الْجَنَّةِ وَفَرِيقٌ فِي السَّعِيرِ﴾ [8]

    ኦ ሙሓመድ! ቁርኣን ገለጽናልካ ብዛዕባ እታ ጥርጥር ዘይብላ መዓልቲ ከተጠንቕቖም: ጉጅለ ንጀና: እቶም ካልኦት ጉጅለ ድማ ንጀሃነም ዝኣትውላ መዓልቲ በሎም:: እቶም ረቢ (ሱ.ወ) ንጀና ዝሓረዮም: ድሕነት ዝኣዘዘሎም: ናይ ንሓዋሩ ሓጎስ ዝመረጸሎምን ካብታ ኣቐንዛዊትን ኣስካሕካሒትን ጀሃነም ዝሰወሮም ክገልጾም እንከሎ ከምዚ ይብል:-

    ﴿ فَمَنْ زُحْزِحَ عَنِ النَّارِ وَأُدْخِلَ الْجَنَّةَ فَقَدْ فَازَ وَمَا الْحَيَاةُ الدُّنْيَا إِلَّا مَتَاعُ الْغُرُورِ﴾ [9]

    "እቶም ካብ ጀሃነም ድሒኖም ንጀና ዝኣተዉ ተዓዊቶም'ዮም: ሂወት ናይዛ ዓለም'ካ ብጀካ ዘደናግር ሓጎስ (ባህታ) እንታይ ኣለዋ?" ይብል::

    እቶም ሓደ ድማ: ካብኣቶም ረቢ የድሕነና: ኣብ ሓው ጀሃነም ኣብ ርእሲ ርእሲ ተጸፍጽፎም: ንሓዋሩ ኣብኡ ይበልዩ: ንመቕጻዕቲ ተፈሪዶም ዓዛብ ይከሓሱ:: ክቡራት የሕዋተይ ብጀካ እዘን ክልተ ካልእ መዓልቦ የልቦን:: እዛ ንነብረላ ዓለምና ናይ ፈተነ መድረኽን ናይ ቅድድም ሜዳን እያ እቶም ዝኣመኑን ዝኸሓዱን ዝፍተኑላን ዝወዳደሩላን::

    ስለዚ ነፍሲ-ወከፍና ረቢ ክንፈርሕ: ንነብስና ተቓሊስና ናብቶም ዝደሓኑ ዝሓዘት መርከብ ክንስቀል: ናብቶም ናብ ረቦም ኣማእዚኖም ጉዕዞኦም ናብ ጀና ዝሓረዩ ጉጅለ ክንጽንበር: ካብ ናይቶም ዝኸሓዱን ዝጠፍኡን: ደድሕሪ ድልየታቶም ዝሃውተቱ: ንመልእኽቲ ናይ ኣላህ ተሓሲሞም ጥፍኣት ዝመረጹ: እንዳረኣዩ ዝዔሩ: እንዳሰምዑ ዝጸመሙ: ንፈጣሪኦም ኣላህ ገዲፎም ንወዲ ሰብ ዘምለኹ: ንፈጣሪ ገዲፎም ንፍጡር ብከንቱ ዝተገዝኡ ከነድሕና ይግበኣና::

    ኣብ መወዳእታ ጻውዒት ናይ ኣላህ (ዓ.ወ) ኣብ ቁርኣን እዚ እዩ:-

    ﴿ وَأَنَّ هَذَا صِرَاطِي مُسْتَقِيمًا فَاتَّبِعُوهُ وَلَا تَتَّبِعُوا السُّبُلَ فَتَفَرَّقَ بِكُمْ عَنْ سَبِيلِهِ ذَلِكُمْ وَصَّاكُمْ بِهِ لَعَلَّكُمْ تَتَّقُونَ ﴾ [10]

    " (ይእዝዘኩም ኣሎ) እዚ እዩ እቲ ቐጥ ዝበለ መንገደይ ተኸተልዎ: ካልእ መገድታት ኣይትከተሉ: ምኽንያቱ ካብቲ መንገደይ ከላግስኹም እዮም: ነዚ እዩ (ኣላህ) ሓቢርኩም (ምዒድኩም) ምእንቲ ፍርሃቱ ክሓድረኩም" ይብል::

    رَبَّنَا أَفْرِغْ عَلَيْنَا صَبْرًا وَثَبِّتْ أَقْدَامَنَا وَانصُرْنَا عَلَى الْقَوْمِ الْكَافِرِينَ

    رَبَّنَا لاَ تُزِغْ قُلُوبَنَا بَعْدَ إِذْ هَدَيْتَنَا وَهَبْ لَنَا مِن لَّدُنكَ رَحْمَةً إِنَّكَ أَنتَ الْوَهَّابُ

    رَبَّنَا آمَنَّا بِمَا أَنزَلْتَ وَاتَّبَعْنَا الرَّسُولَ فَاكْتُبْنَا مَعَ الشَّاهِدِينَ

    معلومات المادة باللغة العربية